2Samuel (17/24)  

1. ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሰሎም በሎ፡ በጃኻ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ሐርየስ ተንሲኤ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ።
2. ሽዑ ደኺሙን ኣእዳዉ ዘርጋሕጋሕ ኢለን ከለዋን፡ ሓደጋ ወዲቐ ኸሰምብዶ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢውን ይሀድም፡ ንንጉስ በይኑ ኸኣ እቐትሎ፡
3. ንዂሉ ህዝቢ ድማ ናባኻ እመልሶ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይሲ ዂሎም ከም እተመልሱ እዩ፡ ሽዑ ንዂሉ ህዝቢ ሰላም ይኸውን።
4. እዚ ዘረባ እዚ ንኣቤሰሎምን ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ባህ ኣበሎም።
5. ኣቤሰሎም ግና፡ እስኪ ንሑሻይ ብዓል ኣርኪ ኸኣ ጸውዕዎ፡ ንሱ ዚብሎ ድማ ክንሰምዕ፡ በለ።
6. ሑሻይ ናብ ኣቤሰሎም ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣቤሰሎም፡ ኣሒቶፌል ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛሪቡ ኣሎ፡ ነቲ ዘረባኡስ ንግበሮዶ፡ እንተ ዘይኰነስ ንስኻ ተዛረብ፡ በሎ።
7. ሑሻይ ከኣ ንኣቤሰሎም፡ ኣሒቶፌል በዚ ጊዜ እዚ ዝመኸሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በሎ።
8. ሑሻይ ድማ መሊሱ በሎ፡ ኣቦኻ እቶም ሰቡን ከኣ ጀጋኑን ኣብ መሮር ኰራኲራ ኸም ዘግደፍዋ ዝብኢ መረርቲ ነፍስን ከም ዚዀኑ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ፡ ምስ ህዝቢ ከኣ ኣይሐድርን።
9. እንሆ፡ ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ጒድጓድ ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ተሐቢኡ ኣሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብመጀመርታ ኻባታቶም ገለ እንተ ወደቑ፡ እቲ ዝሰምዔ ዘበለ፡ እቲ ደድሕሪ ኣቤሰሎም ዝሰዐበ ህዝቢ ተሳዒሩ እዩ፡ ኺብል እዩ።
10. ኣቦኻ ጅግና ከም ዚዀነ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ሓያላት ምዃኖም ብዘሎ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሽዑ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈጺሙ ኺመክኽ እዩ።
11. ስለዚ ኸም ሑጻ ባሕሪ ምእንቲ ኺበዝሕ፡ ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ናባኻ ኪኸትት፡ ባዕልኻውን ናብቲ ውግእ ክትከይድ፡ እመክር አሎኹ።
12. ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚወድቕ፡ ኣብ ሓንቲ ዚርከበላ ቦታ ንውደቆ። ካብኡን ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ሓደ እኳ ኣኣይነትርፍን።
13. ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ አተወ ድማ፡ ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ነታ ኸተማ እቲኣ በጋድ ይኸባ፡ ንእሽቶ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይርከባ ድማ፡ ናብ ርባ ኽንስሕባ ኢና።
14. ሽዑ ኣቤሰሎም ብዘለዉ ሰብ እስራኤልን፡ ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ ብዓል ኣርኪ ይበልጽ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሰሎም ክፉእ ምእንቲ ኼምጽኣሉስ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ጽብሪቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ኪዝርዝር ኣዚዙ ነበረ።
15. ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ኣሒቶፌል ንኣቤሰሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ከምን ኢሉ መኸሮም፡ ኣነ ኸኣ ከምዝን ከምዝን ኢለ መኸርኩ።
16. እምበኣር ሕጂ፡ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዂሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሐጡስ፡ ብዝዀነ ተሳገር እምበር፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት በረኻ ኣይትሕደር፡ ኢሎም ንዳዊት ኪነግርዎ፡ ቀልጢፍኩም ልአኹሉ፡ በሎም።
17. ዮናታንን ኣሒማዓጽን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ደው ኢሎም ነበሩ፡ ናብ ከተማ አትዮም ኪረአዩ ኣይከአሉን እሞ፡ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፡ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ።
18. ግናኸ ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፡ ንኣቤሰሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ፡ ኣብ ባሑሪም ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ አተዉ፡ ኣብ ደምቤኡ ድማ ዔላ ነበረቶ፡ ናብኣ ከኣ ወረዱ።
19. እታ ሰበይቱ ድማ፡ ሰብ ምእንቲ ከይርእዮምሲ፡ ማእሲ ወሲዳ ኣብ እታ ኦኢአላ ዘርግሔት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒዱእ ስገም ሰጥሔት እሞ፡ ገለ ነገር ኣይተፈልጠን።
20. ገላዉ ኣቤሰሎም ናብታ ቤት ናብታ ሰበይቲ መጺኦም ከኣ፡ ኣሒማዕጽዮንን ዮናታንን ኣበይ አለዉ∶: በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ርባ ማይ ተሳጊሮም፡ በለቶም። ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ምስ ሰአንዎም ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
21. ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስ ከዱ፡ እቲኣቶም ድማ ካብቲ ዔላ ወጺኦም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ፡ ኣሒቶፌል ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገሩ፡ በልዎ።
22. ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ብርሃን ወጋሕታ ድማ፡ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
23. ኣሒቶፌል ከኣ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ተንሲኡ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ከደ። ቤቱ ኣስተናቢሩ ድማ ተሐኒቑ ሞተ። ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸኣ ተቐብረ።
24. ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም መጸ። ኣቤሰሎም ከኣ፡ ንሱን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ምስኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ።
25. ኣቤሰሎም ከኣ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንኣቢጋል ጓል ናሓሽ፡ ሓብቲ ጹርያ ኣደ ዮኣብ፡ አትይዋ ነበረ።
26. እስራኤልን ኣቤሰሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ሰፈሩ።
27. ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ማሓናይም ምስ አተወ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ካብ ሎድባር፡ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም፡
28. ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ ኣሞ፡ ዓራውትን ፅሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጋን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም።
29. ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ ኣሞ፡ ዓራውትን ፅሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጋን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም።

  2Samuel (17/24)