2Samuel (16/24)  

1. ዳዊት ድማ ካብ ርእሲ እቲ ከረን ቅሩብ ምስ ሐለፈ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጺባ ጊልያ መፊቦሸት ክልተ ሚእቲ እንጌራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጐጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ተቐበሎ።
2. እቲ ንጉስ ድማ ንጺባ፡ እዚ ንምንታይ ኢልካዮ ኢኻ∶: በሎ። ጺባ ኸኣ፡ እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍሬታትን ድማ እዞም ገላዉ ኺበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ኸኣ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትይዎ ኢለ እየ፡ በለ።
3. እቲ ንጉስ ድማ፡ ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ∶: በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ንሱስ፡ ሎሚ ቤት እስራኤል፡ መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ፡ በሎ።
4. ሽዑ ንጉስ ንጺባ፡ እንሆ፡ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ዂሉ ንኣኻ እዩ፡ በሎ። ጺባ ድማ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢድ እነስእ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ፡ በለ።
5. ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ባሑሪም ምስ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፡ ካብኣ ወጸ። ንሱ ወጺኡ እናኸደ ይረግም ነበረ።
6. እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ጸጋሙ ዀይኖም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኲሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ።
7. ሽምዒ እቲ ኺረግሞ ኸሎ ኸምዚ ይብሎ ነበረ፡ ኣታ ናይ ደም ሰብ፡ ኣታ ናይ ብልያል ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ።
8. ነቲ ኣብ ክንዳኡ ንዝነገስካ ዂሉ ደም ቤት ሳኦል እግዚኣብሄር ናባኻ መለሰልካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሰሎም ኣብ ኢዱ ሀቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እንሆልካ ብኽፍኣትካ ተተሐዝካ።
9. ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ኸኣ ንንጉስ፡ እዚ ምዉት ከልቢ እዚ ስለምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዚጸርፎ ዘሎ∶: በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ∶: በሎ።
10. ንጉስ ግና፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ ኣሎኒ∶: እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ርገሞ፡ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር∶: ዚብሎ መን እዩ∶: በለ።
11. ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዂሎም ገላዉኡን፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንነፍሰይ ይደልያ ኣሎ፡ ከመይ ግን ሕጂ እዚ ብንያማዊ ወዲ ዝገደደ ዘይገብር። እግዚኣብሄር አዚዝዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ።
12. እግዚኣብሄር ነዚ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመጻ ርእዩስ፡ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገም ዘሎኹ ምናልባሽ ጽቡቕ እንተ መለሰለይ፡ በሎም።
13. ዳዊትን ሰቡን ብመገደ መገዶ ይኸዱ ነበሩ፡ ሽምዒ ኸኣ ኣብ መንጽሩ ብጐቦ እቲ ኸረን ኣቢሉ ኪኸይድ ከሎ እናረገሞ፡ እምኒውን እናደርበየሉ፡ ብሓመድ ከኣ እናጨገቦ ይኸይድ ነበረ።
14. ንጉስን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ድማ ደኺሞም ናብኡ መጹ። ኣብኡ ኸኣ ኣተንፈሱ።
15. ኣቤሰሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ሰብ እስራኤልን ንየሩሳሌም አተዉ፡ ኣሖቲፌልውን ምስኡ ነበረ።
16. ኰነ ድማ፡ ሑሻይ በዓል ኣርኪ፡ ፈታው ዳዊት ናብ ኣቤሰሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሰሎም፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሎ።
17. ኣቤሰሎም ከኣ ንሑሻይ፡ እቲ ንፈታዊኻ እትገብረሉ ሞገስ እዚ ድዩ∶: ስለምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ∶: በሎ።
18. ሑሻይ ድማ ንኣቤሰሎም፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዚ ህዝቢ እዝን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ዝሐረይዎ እተ፡ ምስኡ ኸኣ እነብር።
19. መሊሰ ደኣ ንመን ከገልግል እየ∶: ኣብ ቅድሚ ወዲ ክኸውን ደይኰንኩን∶: ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ዘገልገልኩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ክኸውን እየ፡ በሎ።
20. ኣቤሰሎም ከኣ ንኣሒቶፌል እንታይ ከም እንገብር ምኽሪ ሀቡና፡ በሎ።
21. ኣሒቶፌል ከኣ ንኣቤሰሎም፡ ነተን ቤት ክሕልዋ ዝሐደገን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እተወን። ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ ኣቦኻ ጽዩፍ ከም ዝዀንካ ይሰምዕ፡ ሽዑ ኣእዳው እቶም ምሳኻ ዘለዉ ዂሎም ኪጸንዓ እየን፡ በሎ።
22. ንኣቤሰሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፡ ኣቤሰሎም ከኣ፡ ብዘሎ እስራኤል እናረአየ፡ ናብተን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ አተወ።
23. በቲ ጊዜ እቲ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ምኽሪ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ምጥያቕ ነበረ፡ ኲሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል ዘበለ ምስ ዳዊት ኰነ ምስ ኣቤሰሎም ከምኡ ነበረ።

  2Samuel (16/24)