2Samuel (15/24)  

1. ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣቤሰሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ገበረ።
2. ኣቤሰሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ኪፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ፡ ኣቤሰሎም ናብኡ ጸዊዑ፡ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ፡ በለ።
3. ኣቤሰሎም ድማ፡ ርኤ፡ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ንጉስ እተአዘዘ ዚሰምዓካ ደኣ የልቦን፡ ይብሎ ነበረ።
4. ኣቤሰሎም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኺፈርደሉስ፡ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ∶: ይብል ነበረ።
5. ኰነ ድማ፡ ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።
6. ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሰሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
7. ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሰሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደኣ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እየ፡ ኢለ መብጽዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ።
8. ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሰሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደኣ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እየ፡ ኢለ መብጽዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ።
9. ንጉስ ከኣ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ተንሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።
10. ኣቤሰሎም ግና ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹ፡ ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ኣቤሰሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ በሉ፡ በሎም።
11. ምስ ኣቤሰሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ የሩሳሌም ከዱ፡ ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ገለ ኸይፈለጡ ብገርሆም ከዱ።
12. ኣቤሰሎም መስዋእትታት ሕሩድ ኪስውእ ከሎ ድማ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል ጊሎናዊ፡ ናይ ዳዊት መኻሪ፡ ካብ ከተማኡ፡ ካብ ጊሎ ጸውዖ። እቲ ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሰሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ከደ።
13. ሓደ ወረኛ ናብ ዳዊት መጺኡ ኸኣ፡ ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሰሎም ስዒቡ እዩ፡ በለ።
14. ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ገላዉኡ፡ ተንስኡ ንህደም፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሰሎም መውጽኢ የብልናን እሞ፡ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸይወድቀና፡ ክፉእ ድማ ከየምጽኣልና፡ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሴፍ ከይወቕዓስ፡ ቀልጥፉ ንኺድ፡ በሎም።
15. እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝደለዮ ዘበለ ዂሉ ንምግባር፡ እነዉ ገላዉኻ ተዳልዮም አለዉ፡ በልዎ።
16. ንጉስ ድማ ወጸ፡ ብዘሎ ቤተ ሰቡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ግናኸ፡ ንጉስ ዓሰርተ ሰበይቲ ኣንስቲ ወሰኑ፡ ቤት ኪሕልዋ ሐደገን።
17. እቲ ንጉስ ወጸ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሰዐቦ። ኣብ ቤትመርሓቅ ድማ ደው በሉ።
18. ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ጐጐቦኡ ሐለፉ፡ ኲሎም ክረታውያንን ኲሎም ጵለታውያንን ኲሎም ጋታውያንን ድማ፡ እቶም ካብ ጋት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቅድሚ ንጉስ ሐለፉ።
19. ሽዑ ንጉስ ንኢታይ፡ እቲ ጋታዊ፡ ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣሎኻ∶: ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ።
20. ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ∶: ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፡ ተመለስ ደኣ፡ ነሕዋትካውን ምለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።
21. ኢታይ ግና ንንጉስ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታ፡ ንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወት፡ ጊልያኻ ድማ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
22. ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡ ኪድ ተሳገር፡ በሎ። ኢታይ ጋታውን ኲሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዚነብሩ ዂሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ።
23. ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ኦኣው ኢላ ትበኪ ነበረት፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ተሳገሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ርባ ቄድሮን ተሳገረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ተሳገሩ።
24. እንሆ ኸኣ፡ ጻዶቅ ምስኡ ድማ ኲሎም ሌዋውያን ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ጸይሮም መጹ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ኣቐመጥዎ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር ድማ፡ ኣብያታር ደዪቡ ነበረ።
25. ንጉስ ከኣ ንጻዶቅ፡ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኬርእየኒ እዩ፡ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኬርእየኒ እዩ፡
26. ኣይፈትወካን እንተ በለኒ ና፡ እኔኹ፡ ባህ ከም ዝበለ ይግበረኒ፡ በሎ።
27. ንጉስ ድማ ንጻዶቅ ካህን፡ንስኻ ረኣዪ ደይኰንካን∶: ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፡ ወድኻ ኣሒማዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።
28. ርአዩ፡ እቲ ወረ ዚነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ኽጸንሕ እየ፡ በሎ።
29. ሽዑ ጻዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ከኣ ተቐመጡ።
30. ዳዊት ድማ በቲ መደየቢ ደብረ ዘይቲ ደየበ። ኪድይብ ከሎ ኸኣ በኸየ፡ ንሱ ድማ ርእሱ ተጐልቢቡ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ደየበ።
31. ንዳዊት ከኣ፡ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።
32. ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚስገደላ ቦታ ምስ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ሑሳይ ብዓል ኣርኪ ኽዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኪቕበሎ መጸ።
33. ዳዊት ድማ በሎ፡ ምሳይ እንተ ሐለፍካ፡ ክትከብደኒ ኢኻ።
34. ግናኸ ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፡ ንኣቤሰሎም ከኣ፡ ቀደም ጊልያ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ድማ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ እንተ በልካዮ፡ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ኽትገብረለይ ኢኻ።
35. እቶም ካህናት ጻዶቅን ኣብያታርን ኣብኡ ምሳኻዶ ኣየለዉን∶: ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕካዮ ዘበለ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ክትነግሮም ኢኻ።
36. እነዉ ኽልቲእዕም ደቆም ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ኣብኡ ምሳታቶም ኣለዉ። እትምዕዎ ዘበለ ዂሉ ነገር ድማ ብኣታቶም ጌርኩም ልአኹለይ።
37. ሑሳይ ፈታው ዳዊት ከኣ ናብ ከተማ አተወ፡ ኣቤሰሎም ድማ ናብ የሩሳሌም አተወ።

  2Samuel (15/24)