2Samuel (14/24)  

1. ዮኣብ ወዲ ጹርያ ድማ ልቢ ንጉስ ናብ ኣቤሰሎም ኣቢሉ ኸም ዝዘንበለ ፈለጠ።
2. ዮኣብ ከኣ ናብ ተቆዓ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ፡ በጃኺ፡ ሕዘኒ፡ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፡ በጃኺ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፡ ብምዉት ነዊሕ ዘበን ከም ዝሐዘነት ሰበይቲ ደኣ ኹኒ።
3. ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸኣ ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛረብዮ፡ ኢሉ ዮኣብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ።
4. እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ ተዛረበቶ፡ ብገዛ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ኸኣ ፍግም በለት ዎ ንጉስ፡ ርድኣኒ፡ ድማ በለቶ።
5. ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ∶: በላ። ንሳ ድማ በለት፡ ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት ሰበይቲ እየ።
6. ገረድካ ኸኣ ክልተ ወዲ ነበርኒ፡ ንሳቶም ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ዚፈላልዮም ኣብ ዜብሉ መሮር ተበአሱ እሞ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ።
7. እንሆ ኸኣ፡ ንገረድካ ብዘለዉ ዓሌቱ ተንሲኦም፡ ነዚ ቐታል ሓዉ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ነፍሲ ሓዉ ኽንቀትሎ፡ ነቲ ወራስስ ከነጥፍኦ ሀበና፡ ይብሉ አለዉ። ከምኡ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ እያድ የጥፍኡ፡ ንሰብኣየይ ከኣ ስም ኰነ ተረፍ ኰነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይሐደጉሉን።
8. ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ ንቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባኺ ኽእዝዝ እየ፡ በላ።
9. እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ኸኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፡ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ግና ንጹህ ይኹን፡ በለቶ።
10. ንጉስ ድማ ነቲ ዚዛረበኪ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሊሱ ኸኣ ኣይትንክየክን እዩ፡ በላ።
11. ንሳ ድማ፡ ብኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም ምጥፋእ ከየብዝሕ እሞ ንወደይ ከይቀትሎስ፡ ንጉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይዘክር፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ካብ ወድኺ ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፡ ህያው እግዝሕኣብሄር እዩ፡ በላ።
12. ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረቢ፡ በለ።
13. እታ ሰበይቲ ድማ በለት፡ ስለምንታይከ ንህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ሐሰብካሉ፡ ንጉስ ነቲ ኻብኡ እተሰጐ ኸይመልሶስ፡ እዚ ነገር እዚ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ።
14. ግዲ ኽንመውት ኢና እሞ፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና። ኣምላኽ ድማ ንነፍሲ ኣይወስድን፡ ግናኸ እቲ እተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣጸቢቑ ይሐስብ እዩ።
15. ሕጂ ኸኣ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፡ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፡ ንጉስ ምናልባሽ ዘረባ ገረዱ ይገብሮ ይኸውን፡ በለት።
16. ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ኬጥፍኣኒ ዚደሊ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ንጉስ ንገረዱ ንምድሓን ኪሰምዕ እዩ።
17. ገረድካ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕን ክፉእን ንምስማዕ ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ቃል ጐይታይ ንጉስ ኬዕርፈኒ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ምሳኻ ይኹን፡ በለት።
18. ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ በጃኺ፡ እዚ ኣነ ዝሐተኪ ነገር ኣይትሕብእለይ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ይዛረብ ደኣ በለት።
19. እቲ ንጉስ ድማ፡ በዚ ዂሉስ ኢድ ዮኣብከ ምሳኺዶ የሎን∶: በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ መለሰት ጐይታይ ንጉስ፡ ህይወት ነፍስኻ፡ ጊልያኻ ዮኣብ ንሱ ኣዚዙኒ እዩ፡ እዚ ዂሉ ነገር እዚውን ንሱ ኣብ ኣፍ ገረድካ ኣንቢርዎ እዩ እሞ፡ ካብቲ ጐይታይ ንጉስ እትዛረቦ ዂሉ ሓደ እኳ ንየማን ኰነ ንጸጋም ዜብል የልቦን።
20. ገጽ እዚ ነገር እዚ ምእንቲ ኺልወጥ ጊልያኻ ዮኣብ እዚ ነገር እዚ ገበረ። ጐይታይ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘበለ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ ኣምላኽ ጥበበኛ እዩ።
21. ሽዑ ንጉስ ንዮኣብ፡ እንሆ ሕጂ እዚ ነገር እዚ ገበርኩ፡ ኪድ እሞ ነቲ መንእሰይ፡ ናቤሰሎም፡ ምለሶ፡ በሎ።
22. ዮኣብ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ንኑስ ከኣ መረቖ፡ ዮኣብ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ዘረባ ጊልያኡ ብምግባሩ፡ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸበ፡ ሎሚ ፈለጠ፡ በለ።
23. ዮኣብ ከኣ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ፡ ንኣቤሰሎም ድማ ናብ ጌሹር ከደ፡ ንኣቤሰሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ።
24. ንጉስ ከኣ፡ ናብ ቤቱ ይኺድ፡ ገጸይ ግና ኣይርኤ፡ በለ። ኣቤሰሎም ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ገጽ ንጉስ ከኣ ኣይረአን።
25. ኣብ ብዘሎ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሰሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እናተናእደ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን።
26. እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ፡ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ፡ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ።
27. ንኣቤሰሎም ድማ ሰለስተ ወድን ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ፡ ንሳ ትርኢታ ውቅብቲ ሰበይቲ ነበረት።
28. ኣቤሰሎም ከኣ፡ ገጽ ንጉስ ከይረአየ፡ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ።
29. ኣቤሰሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰዶ ደልዩ ንዮኣብ ለአኸሉ። ንሱ ግና ናብኡ ኺመጽእ ኣይፈተወን። መሊሱ ድማ ካልኣይ ሳዕ ለአኸሉ፡ ንሱ ግና ኪመጽእ ኣይፈተወን።
30. ሽዑ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ዮኣብ ኣብ እታ ናተይ ግራት አላቶ፡ ኣብኣ ድማ ስገም ኣለዎ እሞ፡ ኬድኩም ሓዊ ምለሱሉ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሰሎም ከኣ ነታ ግራት ሓዊ መለሱላ።
31. ሽዑ ዮኣብ ተንሲኡ ንኣቤሰሎም ናብ ቤቱ መጾ እሞ፡ እዞም ገላዉኻ ንግራተይ ሓዊ ዝመለሱላ ስለምንታይ እዩ∶: በሎ።
32. ኣቤሰሎም ድማ ንዮኣብ፡ ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጻእኩ ንኣይሲ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሔሸኒ ነይሩ። ሕጂ ኸኣ ገጽ ንጉስ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣበሳ ተረኺቡኒ እንተ ዀይኑ ድማ ይቕተለኒ፡ ክትብለለይ፡ እንሆ ናብ ንጉስ ክሰደካ፡ ንዓ ናብዚ ኢለ ለአኽኩልካ፡ በሎ።
33. ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ እዚ ነገሮ። ንኣቤሰሎም ድማ ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣቤሰሎም ሰዐሞ።

  2Samuel (14/24)