2Samuel (13/24)  

1. ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንኣቤሰሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዔኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ።
2. ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከአሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሐምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮ።
3. ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ ሓዉ ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ።
4. ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ∶: ኣይትነግረንንዶ∶: በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሰሎም እየ፡ በሎ።
5. ዮናዳብ ድማ በሎ፡ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ∶: ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፡ ብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ።
6. ኣምኖን ድማ ሐሚመ ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፡ ብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጽኣኒ፡ በሎ።
7. ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኢኹ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉ፡ በላ።
8. ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ሰነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቚ ወሲዳ ኣቘምጢዓ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ።
9. ነቲ መቚሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ።
10. ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲ፡ ናብ ሕልፍኚ ኣእትውዮ፡ በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ።
11. ኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ፡ ሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ፡ በላ።
12. ንሳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሃወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ።
13. ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ∶: ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ።
14. ንሱ ግና ዘረባኣ ኺሰምዕ ኣኣይፈተወን፡ ካብኣ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስኣ ድማ ደቀሰ፡
15. ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልኣ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልኣ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ ኪዲ፡ በላ።
16. ንሳ ኸኣኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒ፡ በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን።
17. ነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽኣለይ፡ ድሕሪኣ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎ።
18. ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽኣ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪኣ ዐጸዎ።
19. ታማር ድማ ሓሙዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቱ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ። ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኣብ ርእሳ ገይራ እናኣእወየት ከደት።
20. ኣቤሰሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ∶: ሕጂ ግና ሓብተይ፡ ንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮ፡ በላ። ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሰሎም ሓዋ ተቐመጠት።
21. ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተናደደ።
22. ኣቤሰሎም ከኣ ንኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሰሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ክፉእ ኣይተዛረቦን።
23. ኰነ ድማ፡ ኣቤሰሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓልሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሰሎም ከኣ ንዂሎም ደቂ ንጉስ ዐደሞም።
24. ኣቤሰሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ እንሆ፡ ጊልያኻ ቘረጽቲ ኣባጊዕ አለዉኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱ፡ በሎ።
25. ንጉስ ከኣ ንኣቤሰሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድይድን እሕና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደኣ እምበር፡ ኪኸይድሲ ኣይፈተወን።
26. ሽዑ ኣቤሰሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰይኑስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ፡ በሎ። ንጉስ ድማ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ∶: በሎ።
27. ኣቤሰሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሐደጎም።
28. ኣቤሰሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሐጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንኣምኖን፡ ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ∶: ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎም።
29. ገላዉ ኣቤሰሎም ድማ ንኣምኖን ከምቲ ኣቤሰሎም ዝአዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሀደሙ።
30. ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ ኣቤሰሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎም፡ ዚብል ወረ መጾ።
31. ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።
32. ዮናዳብ ወዲ ሺምዓ ሓዉ ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዐመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብኣፍ ኣቤሰሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስ፡ ጐይታይ ኣይበል።
33. እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ።
34. ኣቤሰሎም ግና ሀደመ። እቲ ዚጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝህሕ ኺመጽእ ረአየ።
35. ዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስሲ እነዉ፡ ይመጹ አለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀኑ፡ በሎ።
36. ኰነ ድማ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ አተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ።
37. ኣቤሰሎም ግና ሀዲሙ ናብ ታልማይ፡ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሐዝነሉ ነበረ።
38. ኣቤሰሎም ከኣ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ነበረ።
39. ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሰሎም ምውጻእ ሐደጎ።

  2Samuel (13/24)