2Samuel (11/24)  

1. ኰነ ድማ፡ ንዓመታኡ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጹሉ ጊዜ፡ ዳዊት ንዮኣብ ምስኡ ኸኣ ንገላዉኡን ንብዘሎ እስራኤልን ሰደዶ። ንደቂ ዓሞድን ኣጥፍኦም ድማ ንራባ ከበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።
2. ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምሸት ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ኪማላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረአያ፡ እታ ሰበይቲ ኸኣ ትርኢታ ብዙሕ ጽቡቕ ነበረ።
3. ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሐተተ፡ እዚኣስ ባትሴባ ጓል ኤሊዓም፡ ሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ደይኰነትን፡ ከኣ በልዎ።
4. ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ አተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት።
5. እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ ኣነ ጠኒሰ እየ፡ ኢላ ነገረቶ።
6. ሽዑ ዳዊት ናብ ዮኣብ፡ ንኡርያ ሔታዊ ስደደለይ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ።
7. ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ዳዊት ብዛዕባ ደሓን ዮኣብን ህዝብን እቲ ሰልፍን ሐተተ።
8. ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ናብ ቤትካ ውረድ፡ ኣእጋርካውን ተሐጸብ፡ በሎ። ኡርያ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ወጸ፡ ካብ ብልዒ ንጉስ ከኣ ደድሕሪኡ ሰዐቦ።
9. ኡርያ ግና ምስ ኲሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን።
10. ንዳዊት፡ ኡርያስ ናብ ቤቱ፡ ኣይወረደን፡ ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ ንስኻ ኻብ መገዲ መጺእካ ደይኰንካን∶: ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ∶: በሎ።
11. ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ገላዉ ጐይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ፡ ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክአቱ∶: ህያው ከም ዝዀንካ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው ከም ዝዀነት፡ እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ፡ በሎ።
12. ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ሎሚውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ድማ ክሰደካ እየ፡ በሎ። ኡርያ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ።
13. ዳወዊት ምስ ጸውዖ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ በልዔን ሰተየን፡ ኣስከሮውን። ንምሸቱ ድማ ምስቶም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ መደቀሲኡ ኺድቅስ ወጸ፡ ናብ ቤቱ ግና ኣይወረደን።
14. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንግሆ ዳዊት ንዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ።
15. ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኺመውትሲ፡ ካብ ድሕሪኡ ተመለሱ፡ ኢሉ ጸሐፈ።
16. ኰነ ድማ፡ ዮኣብ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፡ ንኡርያ ናብታ ጀጋኑ ሰባት ከም ዘለዉዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ።
17. ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ወጺኦም ንዮኣብ ተዋግእዎ። ኡርያ ሔታዊውን ሞተ።
18. ሽዑ ዮኣብ ልኢኹ ብዛዕባ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንዳዊት ነገሮ።
19. ነቲ ልኡኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡
20. ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ንጉስ ኰርዩ እንተ በለካ፡ ስለምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶:
21. እቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የዱባሼት መን እዩ ዝቐተሎ∶: ሰበይቲ ደይኰነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ∶: ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም∶: ሽዑ ንስኻ ድማ፡ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱ፡ በሎ።
22. እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ ምላፂኡ ኸኣ እቶ ዮኣብ ዝለአኮ ዂሉ ንዳዊት ነገሮ።
23. እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ መሮር ወጹ፡ ንሕና ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም።
24. እቶም ወርወርቲ ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርወሩሎም፡ ካብቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞቱ፡ ጊልያኻ ኡርያ፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ሞይቱ በሎ።
25. ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ ንዮኣብ ከምዚ በሎ፡ ሴፍ ሓንሳእ ነዚ ሓንሳእ ከኣ ነቲ እዩ ዚውድእ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኽፉእ ዀይኑ ኣይርኤኻ፡ ነታ ኸተማ ኣጽኒዕካ ተዋግኣያን ኣፍርሳን። ንስኻውን ኣጽንዓዮ፡ በሎ።
26. ሰበይቲ ኡርያ ኸኣ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ንሰብኣያ በኸየትሉ።
27. ሓዘና ምስ ሐለፈ ድማ፡ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸኣ ኰነት፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ። እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ።

  2Samuel (11/24)