← 2Samuel (11/24) → |
1. | ኰነ ድማ፡ ንዓመታኡ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጹሉ ጊዜ፡ ዳዊት ንዮኣብ ምስኡ ኸኣ ንገላዉኡን ንብዘሎ እስራኤልን ሰደዶ። ንደቂ ዓሞድን ኣጥፍኦም ድማ ንራባ ከበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። |
2. | ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምሸት ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ኪማላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረአያ፡ እታ ሰበይቲ ኸኣ ትርኢታ ብዙሕ ጽቡቕ ነበረ። |
3. | ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሐተተ፡ እዚኣስ ባትሴባ ጓል ኤሊዓም፡ ሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ደይኰነትን፡ ከኣ በልዎ። |
4. | ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ አተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት። |
5. | እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ ኣነ ጠኒሰ እየ፡ ኢላ ነገረቶ። |
6. | ሽዑ ዳዊት ናብ ዮኣብ፡ ንኡርያ ሔታዊ ስደደለይ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ። |
7. | ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ዳዊት ብዛዕባ ደሓን ዮኣብን ህዝብን እቲ ሰልፍን ሐተተ። |
8. | ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ናብ ቤትካ ውረድ፡ ኣእጋርካውን ተሐጸብ፡ በሎ። ኡርያ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ወጸ፡ ካብ ብልዒ ንጉስ ከኣ ደድሕሪኡ ሰዐቦ። |
9. | ኡርያ ግና ምስ ኲሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። |
10. | ንዳዊት፡ ኡርያስ ናብ ቤቱ፡ ኣይወረደን፡ ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ ንስኻ ኻብ መገዲ መጺእካ ደይኰንካን∶: ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ∶: በሎ። |
11. | ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ገላዉ ጐይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ፡ ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክአቱ∶: ህያው ከም ዝዀንካ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው ከም ዝዀነት፡ እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ፡ በሎ። |
12. | ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ሎሚውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ድማ ክሰደካ እየ፡ በሎ። ኡርያ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ። |
13. | ዳወዊት ምስ ጸውዖ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ በልዔን ሰተየን፡ ኣስከሮውን። ንምሸቱ ድማ ምስቶም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ መደቀሲኡ ኺድቅስ ወጸ፡ ናብ ቤቱ ግና ኣይወረደን። |
14. | ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንግሆ ዳዊት ንዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ። |
15. | ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኺመውትሲ፡ ካብ ድሕሪኡ ተመለሱ፡ ኢሉ ጸሐፈ። |
16. | ኰነ ድማ፡ ዮኣብ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፡ ንኡርያ ናብታ ጀጋኑ ሰባት ከም ዘለዉዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ። |
17. | ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ወጺኦም ንዮኣብ ተዋግእዎ። ኡርያ ሔታዊውን ሞተ። |
18. | ሽዑ ዮኣብ ልኢኹ ብዛዕባ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንዳዊት ነገሮ። |
19. | ነቲ ልኡኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡ |
20. | ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ንጉስ ኰርዩ እንተ በለካ፡ ስለምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶: |
21. | እቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የዱባሼት መን እዩ ዝቐተሎ∶: ሰበይቲ ደይኰነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ∶: ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም∶: ሽዑ ንስኻ ድማ፡ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱ፡ በሎ። |
22. | እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ ምላፂኡ ኸኣ እቶ ዮኣብ ዝለአኮ ዂሉ ንዳዊት ነገሮ። |
23. | እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ መሮር ወጹ፡ ንሕና ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም። |
24. | እቶም ወርወርቲ ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርወሩሎም፡ ካብቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞቱ፡ ጊልያኻ ኡርያ፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ሞይቱ በሎ። |
25. | ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ ንዮኣብ ከምዚ በሎ፡ ሴፍ ሓንሳእ ነዚ ሓንሳእ ከኣ ነቲ እዩ ዚውድእ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኽፉእ ዀይኑ ኣይርኤኻ፡ ነታ ኸተማ ኣጽኒዕካ ተዋግኣያን ኣፍርሳን። ንስኻውን ኣጽንዓዮ፡ በሎ። |
26. | ሰበይቲ ኡርያ ኸኣ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ንሰብኣያ በኸየትሉ። |
27. | ሓዘና ምስ ሐለፈ ድማ፡ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸኣ ኰነት፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ። እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ። |
← 2Samuel (11/24) → |