2Samuel (10/24)  

1. ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሓኑን ነገሰ።
2. ዳዊት ድማ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ዝገበረለይ፡ ንእኡ ምሕረት ክገብር እየ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ብገላዉኡ ገይሩ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን አተዉ።
3. እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንጐይታኦም ሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ∶: ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኬጥፍኣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ∶: በልዎ።
4. ሽዑ ሓኑን ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፈረቓ ጭሕሞም ድማ ላጽዩ፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክስእዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።
5. እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ሎቕበልዎ ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩምሲ ተመለሱ፡ በሎም።
6. ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ከም እተጸልኡ ምስ ረአዩ፡ እቶም ደቂ ዓሞን ልኢኾም ካብ ናይ ቤት ሬሖብ ሶርያውያንን ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን ዕሃራ ሽሕ እግረኛ፡ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ፡ ካብ ሰብ ጦብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ተኻረዩ።
7. ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዘበሉ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።
8. ደቂ ዓሞን ከኣ ወጺኦም ኣብቲ ኣፍ ደገ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ጾባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።
9. ሽዑ ዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ውግእ ከም ዝዀኖ፡ ምስ ረአየ፡ ካብ ኲሎም ሕሩያት እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
10. እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሳይ ሓዉ ገበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበል ድማ ኣሰለፎ።
11. በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተሐየሉ ኸኣ ኣነ ኽረድኣካ እየ።
12. ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር።
13. ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝበረ ህዝብን ድማ ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ።
14. እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረአዩ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ቅድሚ ኣቢሳይ ሀዲሞም ናብታ ኸተማ አተዉ። ሽዑ ዮኣብ ካብ ደቂ ዓሞን ተመሊሱ ናብ የሩሳሌም አተወ።
15. ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፡ ብሓደ ተአከቡ።
16. ሃዳድ ዔዘር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝበሩ ሶርያውያን ኣውጽኦም እሞ፡ ሾባኽ እቲ ናይ ሃዳድ ዔዘር ሓለቓ ሰራዊት መሪሕዎም ናብ ሔላም መጹ።
17. እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፡ ናብ ሔላም መጸ፡ ሶርያውያን ድማ ንዳዊት ኪቃባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ ኸኣ ተዋግኡ።
18. እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሾብዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛን ቀተለ፡ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊቶም ድማ ቀተሎ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ።
19. እቶም ንሃዳድ ዔዘር ዚግዝኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተዐሪቖም ንኣታቶም ተገዝኡ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕርዚ ንምርዳእ ደቂ ዓሞን ፈርሁ።

  2Samuel (10/24)