| 2Samuel (1/24) → |
| 1. | ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ፡ |
| 2. | ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከኣ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። |
| 3. | ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ። |
| 4. | ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ∶: በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ አግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ድማ ዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም በለ። |
| 5. | ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ∶: በሎ። |
| 6. | እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጌልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ። |
| 7. | ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ። |
| 8. | ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ∶: በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ። |
| 9. | ንሱ ኸኣ፡ ገና ህያው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ። |
| 10. | ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ። |
| 11. | ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቲ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ። |
| 12. | ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንዝህቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ። |
| 13. | ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ። |
| 14. | ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ከመይ ዘይፈራህካ∶: በሎ። |
| 15. | ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቖኦ፡ ሞተ ኸኣ። |
| 16. | ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ፡ በሎ። |
| 17. | ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም፡ |
| 18. | ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ። |
| 19. | ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። |
| 20. | ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዩ። |
| 21. | ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ከም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ክኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን። |
| 22. | ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን። |
| 23. | ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራት ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፈላለዩን። ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ። |
| 24. | ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ ነቲ ዜሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበስክን፡ ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ። |
| 25. | እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ። ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ። |
| 26. | ዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ። |
| 27. | እዞም ጀጋኑኸ ከመይ ኢሎም ወደቑ። ኣጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ። |
| 2Samuel (1/24) → |