2Samuel (1/24)  

1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ፡
2. ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከኣ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።
3. ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ።
4. ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ∶: በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ አግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ድማ ዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም በለ።
5. ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ∶: በሎ።
6. እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጌልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ።
7. ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ።
8. ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ∶: በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ።
9. ንሱ ኸኣ፡ ገና ህያው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ።
10. ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ።
11. ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቲ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
12. ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንዝህቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ።
13. ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ።
14. ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ከመይ ዘይፈራህካ∶: በሎ።
15. ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቖኦ፡ ሞተ ኸኣ።
16. ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ፡ በሎ።
17. ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም፡
18. ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ።
19. ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ።
20. ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዩ።
21. ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ከም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ክኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን።
22. ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን።
23. ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራት ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፈላለዩን። ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።
24. ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ ነቲ ዜሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበስክን፡ ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ።
25. እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ። ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ።
26. ዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።
27. እዞም ጀጋኑኸ ከመይ ኢሎም ወደቑ። ኣጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ።

      2Samuel (1/24)