2Peter (3/3)    

1. ኣቱም ፍቁራተይ፡እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ ኣሎኹ።
2. ኣቱም ፍቁራተይ፡እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ ኣሎኹ።
3. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዀሉ እዚ ፍለጡ።
4. ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዂሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።
5. ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዉ።
6. እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት።
7. እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ።
8. ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም።
9. ጐይታስ፡ ኲላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጒዮን እዩ።
10. መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።
11. ደጊም እዚ ዂሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።
12. ደጊም እዚ ዂሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።
13. ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።
14. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።
15. ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቊጸርዎ።
16. ንሱ ኣብ ኲላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቚርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።
17. ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም ኣናፈለጥኩምሲ፡ በስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ።
18. ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

  2Peter (3/3)