2Peter (2/3)  

1. ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።
2. ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ።
3. ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም ፍርዶም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።
4. ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቚሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡
5. ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ኻብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።
6. ነቶም ደሓር ዚመጹ በደልኛታት መሰኽሒ ገይርውን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሐመዂስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን።
7. ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ፡
8. ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነበር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።
9. እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተነ ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።
10. ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ፡ ንጒይትነት ከኣ ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡
11. መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም።
12. እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡
13. ዓስቢ ዓመጻኦምውን ኪቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎ። ርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ ኣለዉ።
14. ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሐብልወን፡ ስስዔ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም።
15. ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ።
16. ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፡ ንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዐገተት።
17. ንሳቶም ማይ ዜብሉ ዒላታትን ማይ ዚኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪቡሎም ኣሎ።
18. ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሐባብሉ፡
19. እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮስ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም ኣለዉ።
20. ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን።
21. ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱድ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩ።
22. ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቲ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።

  2Peter (2/3)