2Kings (9/25)  

1. ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ጸዊዑ በሎ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ እዚ ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ራሞትጊልዓድ ኪድ።
2. ኣብኣ ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ንየሁ ወዲ ዮሳፋጥ፡ ወዲ ነምሺ፡ ኣብኡ ድለዮ፡ ኣቲኻ ድማ ካብ ማእከል ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ንእኡ ናብ ውሽጢ ሕልፊኚ ኣእትዎ።
3. ሽዑ ነቲ ቐርኒ ዘይቲ ውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሲስካ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ እየ፡ ድማ በሎ። ሽዑ ማዕጾ ኸፊትካ ህደም፡ ኣይትደንጒ።
4. እቲ መንእሰይ፡ ጊልያ እቲ ነብዪ፡ ከኣ ናብ ራሞትጊልዓድ ከደ።
5. ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቶም ሓላቑ እቲ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ ጒዳይ ኣሎኒ፡ በለ። የሁ ድማ፡ ካብ ኲልናስ ምስ መን እዩ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ፡ በለ።
6. ተንሲኡ ድማ ናብ ቤት ኣተወ፡ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ።
7. ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ኲሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስ፡ ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ።
8. ብዘላ ቤት ኣካኣብ ክትበርስ እያ፡ ኣብ እስራኤል ድማ እሱር ኰነ ዘይእሱር፡ ኣብ መንደቕ ተጻጊዑ ዚሸይን ዘበለ፡ ካብ ኣከኣብ ከጸንት እየ።
9. ንቤት ኣከኣብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዱ ኣሒያን ክገብራ እየ።
10. ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡ ዚቐብራ ኸኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሀደመ።
11. የሁ ናብቶም ገላው ጐይታኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ደሓን ድዩ እዚ ዕቡድ እዚ እንታይ ደልዩ እዩ መጺኡካ ዝነበረ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ነቲ ዘረባኡን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም።
12. ንሳቶም ግና፡ ሓሶት እዩ፡ ንስኻ ግዳ ንገረና፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ከምዝን ከምዝን ተዛረበኒ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ፡ በለኒ።
13. ሽዑ ተቓላጢፎም ነፍሲ ወከፍ ከክዳኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉ፡ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ የሁ ነገሰ፡ በሉ።
14. የሁ፡ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ፡ ከኣ ንዮራም ተማሓሐለሉ። ብምኽንያት ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ዮራም፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ራሞትጊልዓድ ኰይኖም ይሕልው ነበሩ።
15. ንጉስ ዮራም ግና እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመሊሱ ነበረ። የሁ ኸኣ፡ ፍቓስኩም እንተ ዀይኑስ፡ ከይደ ኣብ ይዝርኤል ከይነግር ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ሀዲሙ ኣይውጻእ፡ በለ።
16. ዮራም ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላ ድዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ። ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርኢ ወሪዱ ነበረ።
17. እቲ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ዘብዔኛ ኸኣ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ርእዩ፡ ኣነ ጭፍራ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። ዮራም ድማ፡ ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ፡ ደሓንዶ ኢኹም፡ ኢሉ ኺቃባበሎም ስደዶ፡ በለ።
18. ሓደ ኸኣ ፈረስ ተወጢሑ ኺቃባበሎ ኸይዱ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ክሳዕ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን፡ ኢሉ ነገረ።
19. ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኦም መጺኡ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱኻ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ።
20. እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ክሳዕ ናብኦም በጽሔ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን። ከም ዕብድ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣኻይድኡስ ከም ኣኻይዳ የሁ ወዲ ኒምሺ እዩ፡ ኢሉ ነገረ።
21. ሽዑ ዮራም፡ ጽዐኑ፡ በለ። ሰረገላ ድማ ጸዐኑሉ። ዮራም ንጉስ እስራኤል ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሰረገለኡ ደየበ፡ ንዮሁ ኺቃባበልዎ ድማ ወጹ፡ ኣብ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ኸኣ ረኸብዎ።
22. ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረኣዮ፡ የሁ፡ ደሓን ዲኻ በለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ በለ።
23. ዮራም ድማ ኢዱ መሊሱ ሀደመ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ ኣታ ኣሓዝያ፡ ጠቢሩና እዩ፡ በሎ።
24. የሁ ግና ቀስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንዮራም ኣብ መንጎ መናኲቡ ወግኦ፡ እቲ ፍላጻ ድማ ብልቡ ወጸ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ተቘልዐጸ።
25. የሁ ንቢድቃር ሓለቓኡ፡ ኣልዒልካ ኣብ ክፍሊ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ደርብዮ፡ እቲ ኣነን ንስኻን ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከኣብ ክንስዕብ ከሎና፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዘንበረሉ ዘክር፡
26. ነቲ ደም ናቦትን ደም ደቁን ብርግጽ ትማሊ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ወሲድካስ ኣብታ ግራት ደርብዮ፡ በሎ።
27. ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብመገዲ ቤት ኣትኽልቲ ኣቢሉ ሀደመ። የሁ ግና ደድሕሪኡ ስዒቡ፡ ንእኡውን ኣብ ሰረገላ ኸሎ ውግእዎ፡ በሎም። ኣብታ ጥቓ ዪብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከኣ ወግእዎ። ናብ መጊዶ ሀዲሙ ድማ ኣብኣ ሞተ።
28. እቶም ገላውኡ ኸኣ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ።
29. ኣሓዝያ ኸኣ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
30. ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔት፡ ኣዒንታ ተዂሒላ፡ ርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት።
31. የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡ፡ ደሓን ዲኻ በለቶ።
32. ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ ምሳይ መን ኣሎ መን በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ።
33. ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋ፡ በለ። ኣጽደፍዋ እሞ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ። ረጊጽዋ ኸኣ ሐለፈ።
34. ምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን ፡በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርኣይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋ፡ በለ።
35. ኪቐብርዋ ኸኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን።
36. ተመሊሶም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ።
37. ተመሊሶም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ።

  2Kings (9/25)