2Kings (8/25)  

1. ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ዘተንሰኣላ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር፡ ድሮ እኳ ጀሚሩ ዘሎ፡ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጽእ ጸዊዑ እዩ እሞ፡ ንስኽን ቤትክን ናብ እትስደድዎ ተሰደዱ፡ ኢሉ ተዛረባ።
2. እታ ሰበይቲ ኸኣ ተንሲኣ ኸም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ስብ ገበረት፡ ንሳን ቤታን ድማ ከይዶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሾብዓተ ዓመት ተቐመጡ።
3. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሾብዓተ ዓመት እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፡ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት።
4. እቲ ንጉስ ከኣ ንገሓዚ፡ ጊልያ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዂሉ ዓብዪ ነገር ንገረኒ፡ ኢሉ ይዛረቦ ነበረ።
5. ኰነ ድማ፡ ምውት ከም ዘተንስኤ፡ ንሱ ንንጉስ ኪነግሮ ኸሎ፡ እንሃ ኸኣ፡ እታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ኣብ ንጉስ ጠርዔት። ሽዑ ገሓዚ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እያ፡ እቲ ኤልሳእ ዘተንስኦ ወዳውን እዚ እዩ፡ በለ።
6. እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሐተታ፡ ንሳ ኸኣ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ስሉብ ሀባ እሞ፡ ዝነበራ ዘበለ ዂሉን ነታ ምድሪ ኻብ እትሐድጋ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ እቶት እቲ ግራትን ኣምልሰላ፡ በሎ።
7. ኤልሳእ ድማ ናብ ደማስቆ መጸ። ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ሐሚሙ ነበረ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብዚ መጽኡ ኣሎ፡ ኢሎም ነገረዎ።
8. ሽዑ እቲ ንጉስ ንሓዛኤል በሎ፡ ገጽ በረኸት ኣብ ኢድ ሒዝካ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትቃባበሎ ኺድ እሞ፡ ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሐዊ እየ ኢልካ ብእኡ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ሕተቶ በሎ።
9. ሓዛኤል ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ ገጽ በረኸት ናይ ደማስቆ በብሉጹ ዘበለ ኣርብዓ ጽዕነት ገመል ዚኣክል ሒዙ መጾ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ ወድኻ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ካብዚ ሕማም እዚዶ ኽሐዊ እየ ኢሉ ናባኻ ልኡኹኒ፡ በለ።
10. ኤልሳኣ ከኣ በሎ፡ ኪድ እሞ፡ ምሕዋይሲ ኽትሐዊ ኢኻ፡ በሎ፡ ግናኸ ብርግጽ ከም ዚመውት፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ።
11. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ክሳዕ ዚሐንኽ ተኲሩ ጠመቶ፡ በኸየ ኸኣ።
12. ሓዛኤል ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ በለ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፋኣ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ዕርድታቶም ብሓዊ ኽትትኲስ፡ ነጒባዞም ከኣ ብሴፍ ክትቀትል፡ ንሕጻናቶም ድማ ክትጭፍልቕ፡ ንጥኑሳቶምውን ኣኽብደን ክትቀድድ ኢኻ፡ በሎ።
13. ሓዛኤል ከኣ፡ እዚ ዓብዪ ነገር እዚ ዝገብርሲ፡ ኣነ ባርያኻ፡ ሓደ ኸልቢ፡ እንታይ እየ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ፡ በለ።
14. ካብ ኤልሳእ ከኣ ኸደ፡ ናብ ጐይታኡ ድማ መጾ። ንሱ ኸኣ፡ ኤልሳእ እንታይ ኢሉካ በሎ። ንሱ ድማ ፡ ብርግጽ ክትሐዊ ኢኻ፡ በለኒ።
15. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ማቕ ወሲዱ፡ ኣብ ማይ ኣሊኹ፡ ኣብ ገጹ ገበረሉ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሓዛኤል ነገሰ።
16. ንዮራም፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ኣከኣብ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ድማ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራም፡ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
17. ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ።
18. ግናኸ ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፋእ ዘበለ ገበረ።
19. እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኺህቦም ዘተስፈዎ፡ ስለ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፡ ንይሁዳ ኼጥፍኦ ኣይፈተወን።
20. ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።
21. ሽዑ ዮራም፡ ኲሉ ሰረገላታቱ ኸኣ ምስኡ፡ ናብ ጻኢር ሐለፈ። ብለይቲ ተንሲኡ ድማ፡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረገላታትን ሰዐሮም፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
22. ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ዐለወት።
23. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮራም ነገርን እቲ ኹሉ ዝገበሮን። ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
24. ዮራም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።
25. ንዮራም ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ኣከኣብ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
26. ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ።
27. ንሱ ምስ ቤት ኣከኣብ ሕምነት ነበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ። ከም ቤት ኣከኣብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋኣ ገበረ።
28. ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኰይኑ ድማ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞትጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ።
29. ንጉስ ዮራም ከኣ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመልሰ። ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮራም፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኪርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።

  2Kings (8/25)