2Kings (7/25)  

1. ኤልሳእ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል ኪሽመት እዩ።
2. እቲ ንጉስ ኣብ ኢድ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳዂቲ እንተ ዚገብርሲ፡ እዚ ነገር እዚ ይኸውንዶ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ፡ በለ።
3. ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንትይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል
4. ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት ኣሎ እሞ፡ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሐደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።
5. ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኪኸዱ ተንስኡ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።
6. ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታትን ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ግብጻውያንን ተኻርዩ ኣባና ኣምጺእዎም እዩ፡ ተባሃሀሉ።
7. ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኦም፡ ሀደሙ። ድንኳውንቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮም ከም ዘሎ ሓዲጎምዎ ነፍሶም ኬድሕኑ ሀደሙ።
8. እቶም ለምጻማት እቲኣቶም ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፡ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፡ ከይዶም ከኣ ሐብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተው፡ ካብኡ ኸኣ ወሰዱ፡ ከይዶምውን ሐብእዎ።
9. ሽዑ ንሓድሕዶም፡ እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ፡ ንሕና ኸኣ ስቕ ኢልና ኣሎና፡ ንግሆ ኽሳዕ ዚበርህ እንተ ጸናሕና ድማ፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ኣቲና ንንገር፡ ተባሃሀሉ።
10. መጺኦም ድማ ንዘብዔኛ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳውንቲውን ከም ዘለዎ እምበር፡ ሰብ ዀነ፡ ድምጺ ሰብ ኰነ የልቦን፡ ኢሎም ነገሩ።
11. እቶም ዘብዔኛታት ከኣ ጸዊዖም ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ነገሩ።
12. እቲ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ንገላውኡ፡ እቶም ሶርያውያን ዝገበሩና እሞ ክነግረኩም፡ ንሕና ጥሙያት ከም ዝዀንና ፈሊጦም ኣለው እሞ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጹ፡ ብህይወቶም ንሕዞም፡ ናብ ከተማ ኸኣ ንኣቱ፡ ኢሎም ካብ ሰፈር ወጺኦም ኣብ መሮር ተሐቢኦም ኣለው፡ በሎም።
13. ሓደ ኻብ ገላውኡ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለው ኣፍራስ፡ በጃኻ፡ ሓሙሽተ ይውሰዱ፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ እተወድኤ እስራኤል እዮም እሞ፡ ኪስልዩ ንስደዶም፡ ኢሉ መለሰ።
14. ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፡ እቲ ንጉስ ድማ፡ ኪዱ እሞ ርኣዩ፡ ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውይን ሰደዶም።
15. ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኦም ከዱ። እንሆ ኸኣ፡ ኲሉ መገዲ እቶም ሶርያውያን ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቓሕን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ።
16. ሽዑ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ገፈፎ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ዀነ፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርዕጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ተሸመተ።
17. እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኺሕሉ ኣቘሞ። ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላክ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓል፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።
18. ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኽልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድም ኣብሲቃል ኪሽመት እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ኽኣ ዀነ።
19. እቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኰት እንተ ኸፈተ እኳ፡ ከምዚ ነገር እዚ ዝበለዶ ይኸውን ኢሉ መሊሱ ነበረ። ንሱውን፡ እንሆ፡ በዒንትኻስ ክትርእዮ ኢኻ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኢሉ ነበረ።
20. ከምኡ ድማ ዀኖ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።

  2Kings (7/25)