2Kings (6/25)  

1. እቶም ደቂ ነብያት ድማ ንኤልሳእ፡ እንሆ፡ እዛ ኣብ ቅድሜኻ ኣብኣ እንነብር ዘሎና ቦታ ጸቢባትና እያ።
2. በጃኻ፡ ክሳዕ ዮርዳኖስ ንኺድ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓሓደ ሰርወ ኣምጺእና ኸኣ፡ ኣብኣ እንነብረላ ስፍራ ንኣና ንስራሕ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ኪዱ፡ በለ።
3. ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ በጃኻ፡ ንስኻውን ፈቲኻ ምስ ገላውኻ ኺድ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ፡ ኣነ እኸይድ፡ በለ።
4. ምሳታቶም ከኣ ኸደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ መጹ ድማ፡ ሰርወ ቘረጹ።
5. ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻባታቶም ሰርወ ኪቘርጽ ከሎ፡ እቲ ሓጺን ነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ። ሽዑ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ንሱ ድማ ናይ ልማኖ እዩ፡ ኢሉ ጨርሔ።
6. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኸኣ፡ ኣበይ ወዲቑ በለ። እታ ቦታ ድማ ኣርኣዮ። ሽዑ ንሱ ዕጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ፡ እቲ ሓጺን ከኣ ጸብለል በለ።
7. ሽዑ ድማ፡ ውሰዶ፡ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ።
8. ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኤ። ምስቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ኣብ ቦታ እከለን እከለን ክሰፍር እየ፡ ኢሉ ተማኸረ።
9. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ይወርድዋ ኣለው እሞ፡ ብእኣ ኸይትሐልፍ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ለኣኸሉ።
10. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነገሮን ዝመዐዶን ቦታ ይሰድድ ነበረ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንሳእ ክልተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነ ንርእሱ ተጠንቀቐ።
11. ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዚ ተሸበረ፡ ነቶም ገላውኡ ጸዊዑ ኸኣ፡ ካባናስ እቲ ምስ ንጉስ እስራኤል ዝሓሳቡ መን ምዃኑዶ ኣይትነግሩንን ኢኹም በሎም።
12. ሓደ ኻብቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ ግናኸ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ፡ እቲ ኣብታ እትድቅሰላ ሕልፍኚ እተዛረብካዮ ዘረባ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ፡ በለ።
13. ንሱ ድማ፡ ልኢኹ ኸምጽኦስ፡ ንሱ ኣበይ ከም ዘሎ ኺድ ርኣዩ፡ በለ። እንሆ፡ ኣብ ዶታን ኣሎ፡ ኢሎም ከኣ ነገርዎ።
14. ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገይሩ ናብኣ ሰደዶ፡ ብለይቲ መጺኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
15. እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና በሎ።
16. ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለውስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለ።
17. ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረኣየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።
18. ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳእ ድማ ብዑረት ወቕዖም።
19. ሽዑ ኤልሳእ፡ እታ መገድስ እዚኣ ኣይኰነትን፡ እታ ኸተማ ኸኣ እዚኣ ኣይኰነትን፡ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምሲ፡ ደድሕረይ ስዐቡ፡ በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ ወሰዶም።
20. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተው፡ ኤልሳእ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኪርእዩስ ኣዒንቲ እዚኣቶም ክፈት፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ ረኣዩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ነበሩ።
21. እቲ ንጉስ እስራኤል ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኤልሳእ፡ ክቐትሎምዶ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ በሎ።
22. ንሱ ድማ፡ ኣይትቕተሎም፡ ነቲ ብሴፍካን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮኸ፡ ንስኻ ትቐትሎዶ በሊዖምን ሰትዮን ግዳ ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ ኣብ ቅድሚኦም ግዳ እንጌራን ማይን ኣቕርበሎም፡ በለ።
23. ዓብዪ ምሳሕ ከኣ ገበረሎም፡ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም ከኣ ኸዱ። ድሕርቲ ኸኣ እቶም ሓደጋ ዚወድቁ ጭፍራ ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይተመልሱን።
24. ድሕርቲ ድማ ዀነ፡ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ኸኣ ከበባ።
25. ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እንሆ ድማ፡ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ሲቃል ብሩር፡ ስልዖ ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ኣጸበቡላ።
26. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢላ ጨርሓትሉ።
27. ንሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ዘይረድኣክስ፡ ካብ ምንታይ ክረድኣኪ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽመቚ ወይኒ በለ።
28. እቲ ንጉስ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፡ ንወደይ ድማ ጽባሕ ክንበልዖ፡ በለትኒ።
29. ሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፡ ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ክንበልዖ፡ በልክዋ፡ ንሳ ግና ነቲ ወዲ ሐብኣቶ፡ በለት።
30. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ማቕ ከም ዘለዎ እቲ ህዝቢ ተኣየ።
31. ንሱ ድማ፡ ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ቘይማስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ በለ።
32. ኤልሳእ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ ኸይመጸ ኸሎ፡ ንሱ ነቶም ዓበይቲ፡ እዚ ወዲ ቐታል ነፍስስ ርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለኣኸዶ ትርእዩ ኣሎኹም እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ፡ ርኢኹም ነቲ ማዕጾ ሸጒርዎ እሞ ብማዕጾ ድፍእዎ፡ ድሕሪኡኸ ደሃይ እግሪ ጐይታኡዶ ኣይሰማዕን፡ በሎም።
33. ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ ወሪዱ፡ እንሆ፡ እዚ እከይ ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክጽበዮ እየ በለ።

  2Kings (6/25)