2Kings (5/25)  

1. ንእማን ድማ፡ ንንጉስ ሶርያ ሐለቓ ሰራዊቱ፡ እግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ሂብዎም ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓብይን ክቡርን ሰብ ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብርቱዕ ጅግና ነበረ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ።
2. ሶርያውያን ድም ሓደጋ ኺወድቁ ወጺኦም ነበሩ፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ። ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ንእማን ተገልግል ነበረት።
3. ንእመቤታ ኸኣ፡ ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ፡ ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ፡ በለት።
4. ንእማን ከኣ ኣትዩ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል ከምዝን ከምዝን ኢላ ተዛሪባ፡ ኢሉ ነገሮ።
5. እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ፡ እምበኣርሲ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ ንንጉስ እስራኤል ደብዳበ ኽሰደሉ እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ ዓሰርተታለንት ብሩርን ሹድሽተ ሽሕ ሲቃል ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ።
6. ነታ ደብዳበ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብጽሓሉ፡ ንሳ ኸምዚ ትብል፡ ሕጂ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣብ ምስ መጸትካ፡ እንሆ፡ ንእማን ጊልያይ ካብ ለምጹ ኸተሕውዮ ኢለ ናባኻ ሰዲደዮ ኣሎኹ።
7. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ለምጺ ኽሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፡ ዝቐትልን ዘሕውንሲ፡ ኣነዶ ኣምላኽ እየ ንሱ ምኽንያት ጥራይ ይደልየኒ ኸም ዘሎ፡ በጃኹም፡ ፍለጡን ርኣዩን፡ በለ።
8. ኰነ ድማ፡ ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ ስለምንታይከ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ኺፈልጥሲ ናባይ ይምጻእ፡ በሎ።
9. ንእማን ከኣ በፍራሱን ብሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ።
10. ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሐጸብ፡ እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ፡ ክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎ።
11. ንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ።
12. ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጵርንዶ ግዳ ኣይምጸሬኹን በለ። ተናዲዱ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደ።
13. ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ፡ ኣይምገበርካዮንዶ ተሐጸብ እሞ ጽረ፡ እንተ በለካ ግዳ ኸመይ ኢሎም ተዛረብዎ።
14. ሽዑ ወሪዱ፡ ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ፡ ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየውን።
15. ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ እንሆ፡ ሕጅስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዜልቦ ፈለጥኩ፡ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበል፡ በለ።
16. ንሱ ግና፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ከይቅበለካ፡ በለ። ንሱ ድማ ኪቕበሎ ግዲ በሎ። ንሱ ግና ኣበየ።
17. ሽዑ ንእማን፡ እዚ ኻብ ዘይኸውንሲ ንጊልያኻ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ መሮት ክትህቦ በጃኻ። ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር፡ ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ።
18. በዚ ነገር እዚ ግዳ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ ጐይታይ ኣብ ቤት ረሞን ኣብኣ ኺሰግድ ኢሉ ምስ ዚኣቱ፡ ንሱ ኣብ ኢደይ ይጐዝጐዝ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ሪሞን እሰግድ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ከሎኹ ድማ፡ በዚ ነገር እዚ ደኣ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ በለ።
19. ንሱ ድማ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ካብኡ ኸኣ ገለ ቕሩብ መገዲ ኸደ።
20. ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ እንሆ፡ ጐይታይ ነዚ ንእማን ሶርያዊ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ኸይወስድ ነሐፎ። ህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ እየ፡ በለ።
21. ሽዑ ገሓዚ ደድሕሪ ንእማን ሰዐበ። ንእማን ከኣ ደድሕሪኡ ኺጐዪ ምስ ረኣዮ፡ ኪቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ፡ ደሓንዶ በለ።
22. ንሱ ድማ፡ ደሓን፡ ጐይታይ ደኣ፡ እነው ኽልተ መንእሰይ ካብ ደቂ ነብያት ካብ ከረን ኤፍሬም ሕጂ መጺኦምኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንኣታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሀቦም፡ ኢሉ ልኢኹኒ፡ በለ።
23. ንእማን ከኣ፡ ኤረ ኽልተ ታለንት ውሰድ፡ በለ። ግዲ ድማ በሎ። ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳዊንቲውን ገይሩ ንኽልተ ገላውኡ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ቀቅድሚኡ ተሰከምዎ።
24. ኣብታ ዂርባ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣርነቦ፡ ነቶም ሰባት ድማ ሰደዶም፡ ከዱውን።
25. ንሱ ኸኣ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን፡ በለ
26. ንሱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ኪቕበለካ ኸሎ፡ ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደን ብሩር ክትወስድ፡ ክዳውንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ጊዜኡ ድዩ
27. እምበኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።

  2Kings (5/25)