2Kings (4/25)  

1. ካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብኣየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ ብዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ ኣሎ፡ ኢላ ጠርዔት።
2. ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ኣብ ቤትከ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ንጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት።
3. ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራዩ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ።
4. እተዊ፡ ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሽጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ጐይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ።
5. ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ፡ ድሕሪኣ ድሕሪ ደቃን ነቲ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት።
6. ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ ኣምጽኣለይ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደጊምሲ ጐይቢ የልቦን፡ በላ።እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ።
7. ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ፡ ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።
8. ሓደ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ኤልሳእ ናብ ሹኔም ሐለፈ። ኣብኡ ኸኣ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ፡ እንጌራ ኺበልዕ ግዲ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ኲሉ ሳዕ ብእኡ ምስ ዚሐልፍ፡ እንጌራ ኺበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ።
9. ንሰብኣያ ኸኣ፡ እንሆ፡ እዚ ወርትግ በዚ ዚሐልፍ፡ ንሱ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ።
10. እምበኣርሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ መንደቕ ንእሽቶ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናባና ምስ ዚመጽእ፡ ናብኣ የግልስ፡ በለቶ።
11. ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ቤት ኣግሊሱ ድማ ኣብኣ ደቀሰ።
12. ንገሓዚ ድማ፡ እቲ ግልያኡ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ምስ ጸውዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።
13. ንሱ ኸኣ ንእኡ፡ እንሆ፡ እዚ ዂሉ ሓልዮት እዚ ሐሌኽልና፡ እንታይ እሞ ኺግበረልኪ እዩ ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊት ዚዝረብዶ ኣሎኪ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘሎኹ፡ በለት።
14. እንታይ ደኣ ኽገብረላ እየ በላ። ገሓዚ ኸኣ፡ ውሉድ እምበር የብላን፡ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ፡ በለ።
15. ንሱ ኸኣ፡ ጸውዓያ፡ በለ። ምስ ጸውዓ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ቤት ደው በለት።
16. ንሱ ኸኣ፡ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሐቚፊ ኢኺ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሐስዋ፡ በለት።
17. እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ፡ ንዓመታኡ በታ ጊዜ እቲኣ ወዲ ወለደት።
18. እቲ ቘልዓ ድማ ዐበየ። ኰነ ኸአ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኣቦኡ ናብ ዓጻዶ ወጸ።
19. ነቦኡ ድማ፡ ርእሰይ፡ ርእሰይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ንጊልያኡ፡ ሐንጊርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ፡ በሎ።
20. ሐንጊሩ ኸኣ ናብ ኣዲኡ ኣእተዎ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ ርብካ ኾፍ በለ፡ ሽዑ ሞተ።
21. ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፡ ብድሕሪኡ ሸጒራቶ ወጸት።
22. ንሰብኣያ ጸዊዓ ድማ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ጐይየ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላውን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ፡ በለቶ።
23. ንሱ ኸኣ፡ ሰርቂ ወርሒ ኣይኰነ፡ ሰንበትውን ኣይኰነ፡ ስለምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ በላ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት።
24. ሽዑ ነታ ኣድጊ ጽዒና ነቲ ጊልያኣ፡ ኪድ ምራሕ፡ ኣነ እንተ ዘይበልኩኻ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣይተብለኒ፡ በለቶ።
25. ተበጊሳ ድማ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከደት። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረኣያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ እታ ሹናማዊት፡ ኣብኡ እንሃ፡
26. በጃኻ፡ ሕጂ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ፡ ደሓንዶ ኢኺ ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ እቲ ወዲኸ ደሓንዶ ኣሎ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት።
27. ናብቲ ኸረን፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ መጸት ከኣ፡ በእጋሩ ኣጽኒዓ ሐዘቶ። ገሓዚ ድማ ኪደፍኣ ቐረበ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ ነፍሳ እተመረረት እያ እሞ፡ ሕደጋ ደኣ፡ እግዚኣብሄር ግዳ ሐቢኡለይ እዩ፡ ኣይገለጸለይን ድማ፡ በሎ።
28. ንሳ ኸኣ፡ ወዲ ሀበኒ ኢለዶ ኻብ ጐይታይ ለሚነ ነይረ እየ ኣይትጠብረኒዶ ኢለካ ኣይነበርኩን በለት።
29. ሽዑ ንገሓዚ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ፡ በትረይ ኣብ ኢደይ ሒዝካ ኺድ፡ ገለ ሰብ እንተ ረኸበካ ኸኣ፡ ከመዓልካ ኣይትበሎ፡ ከመዓልካ እንተ በለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ፡ በሎ።
30. ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ከይሐድገካ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለት። ተንሲኡ ድማ ደድሕሪኣ ኸደ።
31. ገሓዚ ኸኣ ቀዲምዎም ሐሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፡ ግናኸ ደሃይ ኣይነበሮን፡ ምስማዕውን ኣይነበሮን። ሽዑ ኺቃባበሎ ተመሊሰ፡ እቲ ቘልዓ ኣይተንስኤን፡ ኢሉ ነገሮ።
32. ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጸንሖ።
33. ናብታ ቤት ኣትዩ ኸኣ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቲ ማዕጾ ሸጐሮ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ከኣ ለመነ።
34. ደዪቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፡ ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሔ። ስጋ እቲ ቘልዓ ኸኣ ሞቐ።
35. መሊሱ ድማ ኣብታ ቤት ሓንሳእ ናብዚ ሓንሳእ ናብቲ ኣቢሉ ተዛወረ፡ ከም ብሓድሽ ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ።
36. ሽዑ ኤልሳእ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ጸውዓ ኸኣ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ፡ ወድኺ ውሰዲ፡ በላ።
37. ኣትያ ኸኣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት።
38. ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፡ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነብያት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ነቲ ዓብዪ ቚራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም፡ በሎ።
39. ሓደ ኸኣ ሓምሊ ኺሐምል ናብ መሮር ወጸ፡ ወይኒ መሮር ድማ ረኸበ፡ ካብኡ ኸኣ ሓምሊ መሮር ሐሚሉ ኽዳኑ መሊኡ ኣተወ፡ ስለ ዘይፈለጥዎ ድማ፡ ናብቲ ቚራዕ ቀርደዶ።
40. ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሓሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቲ ጸብሒ ኺበልዑ ኸለው፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዚ ቚራዕ ሞት ኣሎ፡ ኢሎም ጨደሑ። ኪበልዕዎ ኸኣ፡ ኣይከኣሉን።
41. ሽዑ ንሱ፡ ሓርጭ ኣምጽኡ፡ በለ። ኣብ ቊራዕ ኣእትይዎ ድማ፡ ምእንቲ ኺበልዑ፡ ነቶ ህዝቢ ቕድሕሎም፡ በለ። ድሕርቲ ኣብቲ ቚራዕ ገለ ኽፋእ ነገር ኣይነበረን።
42. ካብ በዓልሻሊሻ ድማ ሰብኣይ መጾ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ናብ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምጽኣሉ። ንሱ ድማ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሀቦም፡ በለ።
43. እቲ ኣገልጋሊኡ ኸኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ከቕርበሎም እየ በለ። ንሱ ግና፡ እግዚኣብሄር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደኣ ሀቦም ይብልዕዎ፡ በለ።
44. ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ።

  2Kings (4/25)