2Kings (25/25)    

1. ኰነ ድማ፡ ብታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጸር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኲሉ ሰራዊቱ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ። ብዙርያኣ ኸኣ ዕርዲ ነደቑላ።
2. እታ ኸተማ ድማ ንጼዴቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ብመካበቢያ ተዐጽወት።
3. ካብታ ራብዓይቲ ወርሒ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዔ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ እንጌራ ኣይነበሮምን።
4. ሽዑ ነታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረሱላ። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለው ድማ፡ እቲ ንጉስ ብመገዲ ጐልጐል ከደ። ኲሎም ሰብ ውግእ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ መካበብያ ዘሎ ደገ፡ ብመገዲ እቲ ደገ ገይሮም ሀደሙ።
5. እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ሰዒቦም ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ብዘለው ሰራዊቱ ድማ ካብኡ ፋሕ በሉ።
6. ሽዑ ነቲ ንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፡ ፍርዲ ኸኣ ፍረድዎ።
7. ደቂ ጼዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረድዎም፡ ንጼዴቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣዖርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
8. በታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመቱ፡ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡
9. ንቤት እግዚኣብሄር ንቤት ንጉስን ንዂለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ተኰሰ፡ ንዂለን ዓበይቲ ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ተኰሰ።
10. ምስቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ብዘሎ ስረዊት ከለዳውያን ንመካበብያታት የሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረሶ።
11. ነቡዛራዳን፡ እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ተረፍ እቲ ህዝብን ነቶም ሀዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን እተጸግዑን ካብቲ ብዙሕ ህዝብ ዝተረፉን ማረኽዎም።
12. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ግና ካብቶም ድኻታት እታ ሃገር ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዐዩን መሬት ኪሐርሱን ኢሉ ሐደጎም።
13. እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዚን ነቲ መቐመጢታትን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ነቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
14. ንድስትታትን መጽሓርያታትን ካራታትን ጽዋኣትን ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ።
15. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንጽንሃታትን ንጭሔሎታትን ናይ ወርቂ ኸም ወርቂ፡ ናይ ብሩር ከም ብሩር ገይሩ ወሰዶ።
16. እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ሓደ ባሕርን መቐመጢታትን ናይ እዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ ድማ ሚዛን ኣይነበሮን።
17. ቊመት እቲ ሓደ ዓንዲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ነበሮ፡ ቊመት እቲ ጒልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፡ ነቲ ጒልላት ከኣ ብዙርያኡ ዓይነ ርግብን ሮማንን ነበሮ፡ እዚ ዂሉ ኻብ ኣስራዚ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓንዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ።
18. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንስለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም።
19. ካብቲ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዝ ሰብ ውግእ ዝነበሩ ስሉብን ካብቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብታ ኸተማ እተረኽቡን ነቲ ጸሓፊ፡ እቲ ንህዝቢ እታሃገር ንወትሃደርነት ዚጽሕፍ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን ካብቶም ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ስሳ ሰባት ወሰደ።
20. ነዚ ኣቶም ከኣ ንቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ወሲዱ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም።
21. እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
22. ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘትረፎ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፈ ህዝቢ ንኣታቶም ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም፡ ወዲ ሻፋን፡ ሸመሎም።
23. ኲሎም ሓላቑ ሰራዊታት፡ ንሳቶም ሰቦምን፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን ይኣዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶምን ሰቦምን ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ።
24. ንዳልያ ድማ፡ ካብ ገላው ከለዳውያን ኣይትፍርሁ፡ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፡ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ እሞ ጽቡቕ ነገር ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ንኣታቶምን ንሰቦምን መሐለሎም።
25. በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ግና ዀነ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ነታንወያ፡ ወዲ ኤሊሻማ፡ ዓሰርተ ሰብ ድማ ምስኡ መጺኦም ንገዳልያ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ፡ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነብሩ ኣይሁድን ከለዳውያንን ከኣ ቀተልዎም።
26. እቶም ህዝቢ ብዘለው ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን፡ እቶም ሓላቑ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ እሞ፡ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ።
27. ኰነ ኸኣ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ፡ ኤዊልመሮዳክ ንጉስ ባቢሎን በታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።
28. ምስኡ ኸኣ ጥዑም ተዛረበ፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋውንቲ እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።
29. ነቲ ኽዳን ቤት ማዝእሰርቱውን ለወጠሉ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኸኣ ወርትግ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ።
30. ነንመዓልቲ ዚቕለቦ ቐለብ ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ወርትግ ካብ ንጉስ ተዋህቦ።

  2Kings (25/25)