2Kings (24/25)  

1. ብዘመኑ ነብካድነጸር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ፡ ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዐለዎ።
2. እግዚኣብሄር ድማ ጭፍራታት ከለዳውያንን ጭፍራታት ሶርያውያንን ጭፍራታት ሞኣባውያንን ጭፍራታት ደቂ ዓሞንን ሰደደሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባሮቱ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ ምእንቲ ኼጥፍእዋ ናብ ይሁዳ ሰደዶም።
3. እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።
4. እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።
5. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
6. ዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።
7. ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን።
8. ዮያኪም ኪነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፡ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ።
9. ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ።
10. በቲ ጊዜ እቲ ገላው ነብካድነጸር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ተኸበት።
11. እቶም ገላውኡ ኸቢቦምዎ ኸለው ኸኣ፡ ነብካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መጸ።
12. ሽዑ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ንሱን ኣዲኡን ገላውኡን ሓላቑኡን ስሉባቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጹ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብሳምነይቲ ዓመት መንግስቱ ሐዞ።
13. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ንብዘሎ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግቢቲ ቤተ ንጉስን ኣውጽኤ፡ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ሰባበሮ።
14. ንብዘላ የሩሳሌም ንዂሎም ሓላቑን ንዂሎም ሓያላት ጀጋኑን፡ ዓሰርተ ሽሕ ምሪኻት፡ ንዂሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ማረኸ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብዘይ እቶም ድኻታት፡ ገለ እኳ ኣይተረፈን።
15. ንዮያኪን ድማ ናብ ባቡኪብ ናረኾ፡ ነደ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንስሉባቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከኣ ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
16. ንዂሎም ሓያላት ሰባት ሾብዓተ ሽሕ ዚዀኑ፡ ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ሽሕ፡ ኲሎም ጀጋኑ ንውግእ ዚበቕዑ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣእተዎም።
17. እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓው ኣቦኡ ማታንያ ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ጼዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።
18. ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ ወኪ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።
19. ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮያቂም ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ።
20. እዚ ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ቅድሚ ገጽ ኽሳዕ ዚድርብዮም ዝዀነ፡ ብምኽንያት ኲራ እግዚኣብሄር እዩ። ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ።

  2Kings (24/25)