2Kings (23/25)  

1. ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዂሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ናብኡ ኣከብዎም።
2. እቲ ንጉስን ምስኡ ኸኣ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሎም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ካህናትን ነብያትን ብዘሎ ህዝቢ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዂሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኣስምዖም።
3. እቲ ንጉስ ድማ ኣብቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸዱን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕልውን፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኸኣ ኬቚሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ኣብቲ ኺዳን ቈመ።
4. እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ኻህናት ሒልቂያን ነቶም ብትሕቲኡ ዘለው ኻህናትን ነቶም ሐለውቲ ደገ ነቲ ንበዓልን ንኣስታርተን ንብዘለአው ስራዊት ሰማይን ኪኸውን እተሰርሔ ዂሉ ኣቓሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ኬውጽእዎ ኣዘዞም፡ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ኣብ ግርሁ ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፡ ነቲ ሓመዂስቱውን ናብ ቤትኤል ወሰዶ።
5. ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኺዐጥኑ ዘሕደርዎም ካህናት ጣኦታትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለው ሰራዊት ሰማይን ዚዐጥኑ ዝነበሩን ድማ ሰዐሮም።
6. ንኣስታርተ ኸኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ናብ ርባ ቄድሮን ኣውጺኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዳ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ደበቚቦቛ ገበራ፡ ነቲ ደበቚቦቛ ድማ ኣብቲ መቓብር ደቂ እቲ ህዝቢ ጐሐፎ።
7. ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ኣመናዝር፡ ኣንስቲ ኣብኤን ኰይነን ንኣስታርተ ዚኸውን መጋረጃ ዚኣልማ ዝነበራ ኸኣ ኣፍረሰ።
8. ንዂሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፡ ነቲ እቶም ካህናት ዚዐጥኑሉ ዚነበሩ በረኽቲ ኸኣ ካብ ጌባዕ ጀሚሩ ኽሳዕ ብኤርሸባዕ ኣርከሶ፡ ነቲ ኣብ ደጌታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እያሱ መስፍን እታ ኸተማ ዝነበረ፡ ነቲ ብጸጋም ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍረሶ።
9. እቶም ናይ በረኽቲ ኻህናት ግና፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ኰይኖም ደኣ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፡ ናብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ኣይድይቡን ነበሩ።
10. ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ኢሉ ብሓዊ ኸየሕልፍሲ፡ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሂኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።
11. እቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም፡ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቀጽሪ መቕደስ ኣብታ ነታንሜሌክ፡ እቲ ስሉብ ዚነብረላ ዝነበረ ኣፍራስ ኣግለሶም። ነቲ ሰረገላታት ጸሓይውን ብሓዊ ኣንደዶ።
12. ነቲ ኣብ ናሕሲ ኣደራሽ ኣሃዝ ዝነበረ፡ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝገበርዎ፡ መሰውኢታትን፡ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ከኣ እቲ ንጉስ ኣፍረሶ። ካብኡ ቐልጢፉ ኸይዱ ድማ ነቲ ደበቚቦቛኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ጐሐፎ።
13. ነቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ የማን ከረን ጥፍኣት ዝነበረ በረኽቲ ኸኣ፡ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣስታርተ ጽያፍ ሲዶናውያንን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን ንሚልኮም ጽያፍ ደቂ ዓሞንን ዝሰርሓሎም፡ እቲ ንጉስ ኣርከሶ።
14. ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈረጾ፡ ነቲ ቦታታቶም ከኣ ኣዕጽምቲ ሰብ መልኦ።
15. ድማ ነቲ ኣብ ቤትኤል ዝነበረ መሰውእን ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንእስራኤል ዘሕጥኤ፡ ዝሰርሖ በሪኽን፡ ነቲ መሰውኢ እትን ነቲ በሪኽን ኣፍረሶ፡ ነቲ በሪኽ ከኣ ኣንደዶ፡ ኣድኪሙ ድማ ደበቚቦቛ ገበሮ፡ ንኣስታርተውን ኣንደዶ።
16. ዮስያስ ግልጽ ምስ በለ ኸኣ፡ ነቲ ኣብኡ ኣብ ከረን ዝነበረ መቓብራት ረኣየ። ሽዑ ልኡኹ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኺነግር ከሎ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶ፡ ኣርከሶ ኸኣ።
17. ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩ በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤትኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ።
18. ንሱ ኸኣ፡ ሕደግዎ፡ ገለ እኳ ነዕጽምቱ ኣየነቓነቆ። ስለዚ እቲ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ተረፈ።
19. ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፡ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኲለን ኣባይቲ በረኽቲ ድማ ዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ከምቲ ኣብ ቤትኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብርታት ገበረን።
20. ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።
21. እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለው ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
22. ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዚፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን።
23. እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረ።
24. ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣንደዶ።
25. ከምቲ ዂሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን።
26. ግናኸ ብምኽንያት እቲ ምናሴ ብእኡ ዘዀረዮ ዂሉ መዀረዪ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ንደት ዓብዪ፡ ዂራኡ ኣይተመልሰን።
27. እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ንእስራኤል ዘግለስክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድሚ ገጸይ ከግልሶ እየ፡ ነዛ ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ነዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልክዋ ቤትን ከኣ ክድርብየን እየ፡ በለ።
28. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
29. ብዘመን ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ናብ ንጉስ ሶርያ ናብ ርባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ዮስያስ ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ንሱ ኸኣ ምስ ረኣዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።
30. ገላውኡ ድማ ብምውቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኸኣ ኣንገስዎ።
31. ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።
32. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ።
33. ፈርኦን ኔኮ ድማ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ።
34. ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣሶኡ ዮስያስ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ። ንዮኣሓዝ ግና ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ መጸ፡ ኣብኣ ድማ ሞተ።
35. ዮያቂም ከኣ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሀቦ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ገንዘብ ምእንቲ ኺህብሲ ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። እቲ ብሩርን ወርቅን ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኺህብሲ፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ከም ስልዕቱ ኣኽፈሎ።
36. ዮያቂም ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዘቡዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ጴዳያ ብዓል ሩማ እያ።
37. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ።

  2Kings (23/25)