2Kings (22/25)  

1. ዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የዲዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ዓዳያ ብዓል ቦጽቃት እያ።
2. ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ንየማን ኰነ ነጸጋም ኣየግለሰን።
3. ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ እቲ ንጉስ ንሻፋን ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጸልያ ወዲ መሹለም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ለኣኾ፡
4. ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይቡ እሞ ነቲ እቶም ሐለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ ገንዘብ ኪእክቦ ኣዝዞ።
5. ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣቤር ድማ ኣብ ኢዶም ይሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ ነቓዕ እታ ቤት ኪጽግኑ ዚዐዩ ዓየይቲ፡
6. ንጸረብትን ንሀነጽትን ንነደቕትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዚኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ዚዕደገሉ ገንዘብ ይሀብዎም።
7. ግናኸ ብእምነት እዮም ዚገብርዎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።
8. ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጻሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ፡ በሎ። ሒልቂያ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሻፋን ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንበቦ።
9. ሻፋን እቲ ጸሐፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቶም ገላውኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኢዶም ሀብዎም፡ ኢሉ ነቲ ንጉስ እቲ ነገር መለሰሉ።
10. ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ መጽሓፍ ሂቡኒ፡ ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
11. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።
12. እቲ ንጉስ ከኣ ንኻህን ሒልቂያን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓክቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልያ ንጉስን፡
13. ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ኸምቲ ዂሉ ንኣና እተጸሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሰዐብዎ፡ እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ ብናይ እዚ እተረኽበ መጽሓፍ እዚ ነገር ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዂሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
14. ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሉም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ።
15. ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኽኩም ሰብኣይ በልዎ፡
16. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲሉ ቓላት እቲ መጽሓፍ፡ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለውን እቲ ኽፋእ ከምጽኦ እየ።
17. ብዂሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ፡ ሐዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዐጠኑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ኪቃጸል እዩ፡ ኣይጠፍእን ከኣ።
18. ነቲ እግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
19. ብዛዕባ እታ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ንመደነቕን ንመራገምን ኪዀኑ እዮም ኢለ እተዛረብክዎ ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ክዳንካ ቐዲድካ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
20. ስለዚ እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ ዂሉ ኽፋእ ኣዒንትኻ ኣይርእያኦን እየን። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።

  2Kings (22/25)