2Kings (21/25)  

1. ምናሴ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሔፍጺባ እዩ።
2. ንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታት ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ።
3. ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለው ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።
4. ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ።
5. ንብዘለው ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም።
6. ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።
7. ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር ንዳዊት ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌም ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ፡
8. ሓንትስ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ባርያይ ሙሴ ዝኣዘዞም ኲሉ ሕግን ከኣ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቑሉ፡ ሽዑ ንእግሪ እስራኤል ከኣ ካብታ ነቦታቶም ዝሀብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዝን እየ።
9. ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ምናሴ ድማ ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ ኺገብሩ ኣስሐቶም።
10. ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
11. ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረን፡ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዚኸፍእ ስለ ዝገበረን፡ ንይሁዳ ድማ ብጣኦታቱ ስለ ዘሕጥኦም፡
12. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ክሳዕ ዚብሎ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ክፋእ ነገር ከምጽእ እየ።
13. እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክዝርግሖ እየ፡ ጻሕሊ ኸም ዚሕጸብ፡ ሐጺብካ ብኣፉ ኸም እትደፍኦ፡ ንየሩሳሌም ድማ ክሐጽባ እየ።
14. ነቲ ተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖ እየ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኲሎም ጸላእቶም ንምርኮን ንምብዝባዝን ኪዀኑ እዮም።
15. እዚ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክፋእ ሰል ዝገበሩን፡ ካብቲ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘዀረዩንን እዩ።
16. ምናሴ ድማ ብጀካ እቲ ሓጢኣቱ ብእኡ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ንምግባር ዘሕጥኤ፡ ወሲኹ ኸኣ ክሳዕ ንየሩሳሌም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዚመልእ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።
17. እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
18. ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ ኣብ ኣታኽልቲ ቤቱ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን ነገሰ።
19. ኣሞን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ መሹለመት እዩ፡ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጥባ እያ።
20. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ።
21. በቲ ዂሉ ኣቦኡ ዝኸዶ መገዲ ድማ ኸደ፡ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣኦታት ከኣ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን።
22. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሐደጎ፡ ብመገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።
23. ገላው ኣሞን ድማ ተማሓሐሉሉ እሞ ነቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።
24. ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሐሉሉ ዂሎም ቀተሎም። እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።
25. እቲ ዝተረፈ ኣሞን ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
26. ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ ነገሰ።

  2Kings (21/25)