2Kings (20/25)  

1. በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሐመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ትመውት እምበር፡ ኣይትሐውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር።
2. ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ።
3. ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ።
4. ኰነ ኸኣ፡ ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እታ ኸተማ ኸይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡
5. ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ብክያትካ ርእየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።
6. ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ።
7. ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበሩሉ እሞ፡ ሐወየ።
8. ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከ፡ ምልክቱ እንትይ እዩ በሎ።
9. ኢሳይያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነቲ እተዛረቦ ዘረባ ኸም ዚፍጽሞ፡ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፡ እዚ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይስ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ በለ።
10. ህዝቅያስ ከኣ፡ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚት ምኻድሲ ቐሊል እዩ፡ ኣይፋል፡ እቲ ጽላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ፡ በለ።
11. ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ነቲ ጽላሎት ከኣ ኣብ ሰዓት ኣሃዝ፡ በቲ ዝወረደሉ ኣቢሉ ዓሰርተ ስጒሚ ንድሕሪት መለሶ።
12. በቲ ጊዜ እቲ በሮዳክባላዳን ወዲ ባላዳን፡ ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ከም ዝሐመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንህዝቅያስ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ።
13. ህዝቅያስ ከኣ ሰምዖም፡ ብዘላ ቤት ናይቲ ኽቡር ኣቓሑኡ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ጽቡቕ ዘይትን ኲሉ ቤት ኣቓሑኡን ኣብ መዛግብቱ እተረኽበ ዂሉን ድማ ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ዀነ ኣብ ብዘላ ግዝኣቱ ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።
14. ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ኢሎምኻ ካበይከ መጺኦምኻ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ዝመጹ እዮም፡ በለ።
15. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ በለ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮምዎ፡ ኣብ መዛግብተይ ዘየርኤኽዎም ነገር የልቦን፡ በለ።
16. ኢሳይያስ ድማ ንህዝቅያስ በሎ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡
17. እዚ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉን፡ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደሉ፡ እንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተርፍን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18. ካብ ደቅኻ ድማ፡ ካብቶም ካባኻ ዝወጹ፡ ካብቶም ዝወለድካዮም፡ ኪወስዱ እዮም፡ ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ስሉባት ኪዀኑ እዮም።
19. ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እዚ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ወሲኹ ኸኣ፡ ከምኡ ደይኰነን፡ ብዘመነይሲ ሰላምን ህድኣትን ደኣ እንተ ዚህሉ፡ በለ።
20. እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ኲሉ ጅግንነቱን፡ ሓጽቡን መስኖን ከም ዝገበረን፡ ናብ ከተማ ኸኣ ማይ ከም ዘእተወ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
21. ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

  2Kings (20/25)