2Kings (19/25)  

1. ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
2. ንኤልያቂም ኣዛዝ ቤትን ንሻብና እቲ ጸሓፍን ካብ ካህናትውን ዓበይቲ ገይሩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ሰደዶም።
3. ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ቅጽዓትን ነውርን እያ፡ ሕጻናት ናብ ምውላድ በጺሖም ነይሮም፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳእነ።
4. ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዂሉ ዘረባ ራብሳቀ፡ እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ከጸርፎ ኢሉ ዝለኣኾ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዖ ዘረባ ኪቐጽዖ እዩ። እምበኣርሲ ምእንቲ እዚ ገና ተሪፉ ዘሎ ትርፎፍያ ጸሎት ኣዕርግ።
5. እቶም ገላው ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ።
6. ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በቲ ገላው ንጉስ ኣሶር ኪጸርፋኒ ዝሰማዕካዮም ቃላት ኣይትፍራህ።
7. እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ክህቦ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩ ድማ ብሴፍ ከውድቖ እየ።
8. ራብሳቀ ኸኣ ተመልሰ፡ ንሱ እቲ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ።
9. ንሱ ግና ብዛዕባ ቲርሃቃህ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ኪወግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ኪብሉ ምስ ሰምዔ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡
10. ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፡ እዚ ንስኻ እትእመኖ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌምስ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ኣየዐሹኻ።
11. እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን፡ እንሆ፡ ሰሚዕካዮ ኣሎኻ፡ ንስኻኸ ትድሕንዶ
12. እቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ነቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም፡ ንጐዛንን ንሓራንን ንሬጸፍን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔደንን ኣድሐንዎምዶ
13. ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፋር ዋዪምን ናይ ሄናን ናይ ዒዋን ድማ ኣበይ ኣለው
14. ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት ኣግዚኣብሄር ደዪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።
15. ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ።
16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣቢልካ ድማ ርኤ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ዘረባ ሰናክሪብ ከኣ ስማዓዮ።
17. ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ።
18. ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ እተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም።
19. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንሳኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ኣዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።
20. ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።
21. እቲ እግዚብሄር ብዛዕባኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ነዐቐትካን ኣባጨወትካን፡ እታ ጓል የሩሳሌም ድሕሬኻ ዀይና ርእሳ ነቕነቐትልካ።
22. ዝጸረፍካዮን ዘላገጽካሉን ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካ፡ ኣዒንትኻውን ቋሕ ዘበልካሉ፡ ናብ መን ኢኻ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
23. ብልኡኻትካ ጌርካ ንጐይታ ኸምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ናብ ማእከል ሊባኖስ ደየብኩ፡ ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሱን ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱን ከኣ ቘረጽኩ፡ ናብቲ ፈራዪ ዱሩ ድማ ኣቶኹ።
24. ኣነ ዂዒተ ጋሻ ማያት ሰቴኹ፡ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ኣንቀጽክዎ።
25. ነዚ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝገበርክዎ፡ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ከም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕካን ኢካ ሕጂ ንዕሩዳት ከተማታት ኲምራ ዑናታት ጌርካ ኸተባድመን ኣምጻእኩኻ።
26. ስለዚ እቶም ዚነብርወን ሓይሊ ሰኣኑ፡ ተሸበሩን ሐፈሩን። ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልምሉም ሓምልን ከም ድርቋ ናሕስን ከይሰወተ ኸም ዝሀጐጐ እኽልን ኰነ።
27. ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን፡ ንኣይ ምዂራይካውን እፈልጥ ኣሎኹ።
28. ስለ ዝዀሬኻለይ፡ ትዕቢትካውን ናብ ኣእዛነይ ስለ ዝደየበ፡ ስንቀይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብረልካ እየ፡ በታ ዝመጸእካላ መገዲ ድማ ክመልሰካ እየ።
29. ንኣኻ ግና እዚ ምልክት ይኹንካ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡ ብኻልኣይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዐጽዱን፡ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሬኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
30. እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ድሒኖም ዝተረፉ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ኪሰዱ ኣብ ላዕሊ ኸኣ ኪፈርዩ እዮም።
31. ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሐነ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ነዚ ኸኣ ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪገብሮ እዩ።
32. ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን፡ ዋልታውን ኣይምክተላን፡ ድልድል ከኣ ኣይዂምረላን።
33. በታ ዝመጸላ መገዲ ይምለስ እምበር፡ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
34. ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ኬድሕናን እየ።
35. ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኲላቶም ምውታት ሬሳታት ኰይኖም ጸንሑ።
36. ሽዑ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ተንስኡ ኸደ፡ ተመሊሱ ድማ ኣብ ነነዌ ተቐመጠ።
37. ኰነ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጸርን ብሴፍ ቀተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሀደሙ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳርሓዶን ነገሰ።

  2Kings (19/25)