2Kings (18/25)  

1. ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸኣ ኰነ፡ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2. ንሱ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ኣቢ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።
3. ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
4. ንሱ ነቲ በረኽቲ ኣግለሶ፡ ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርተ ኸኣ ቈረጾ፡ ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዐጥኑሉ ነበሩ እሞ፡ ድርቅምቅም ኣበሎ፡ ንእኡ ኸኣ ነሑሽታን ሰመዮ።
5. ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኲሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን።
6. ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛትውን ሐለወ።
7. እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣብ ዝወጾ ዘበለ ቐንዓሉ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዐለወ እሞ ኣይተገዝኣሉን።
8. ንሱ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሩ ኽሳዕ ዕርድቲ ኸተማ፡ ክሳዕ ጋዛን ዶባታን ሰዐሮም።
9. ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፡ ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ።
10. ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከኣ ሐዝዋ፡ ንህዝቅያስ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመቱ፡ ንሳ ንሆሴእ ንጉስ እስራኤል ብታስዐይቲ ዓመቱ ሰማርያ ተታሕዘት።
11. እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፡ ኣብ ሐላሕን ኣብ ሐቦርን ኣብ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።
12. እዚ ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ንኺዳኑ ብምፍራሶም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚብሄር ዝኣዘዞ ዂሉ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።
13. ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን።
14. ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ በዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውር፡ በለ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዐኖ።
15. ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሀቦ።
16. በታ ጊዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዚኣብሄርን ልዳውትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ።
17. እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳሪስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ ደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጻቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ።
18. ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሐፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ።
19. ራብሳቀ ድማ በሎም፡ ንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ተኣሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ እዚ ተኣሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ
20. ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን ኣሎኒ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዐሎኻንስ፡ ሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ
21. እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣን ኲሉ ዚኣቱ፡ ብእኡ ተኣሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዚእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።
22. ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚና ኣሎና፡ እንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉን፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ፡ ዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፡
23. ሕጂ ድማ ንጐይታይ ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።
24. ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላው ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፡ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን ኣሎኻ።
25. ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢሉ ደዪበ እግዚብሄር ደኣ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ደዪብካ ኣጥፍኣያ፡ ኢሉኒ እዩ።
26. ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀ፡ ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዔ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበና፡ በልዎ።
27. ራብሳቀ ግና፡ ጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለኣኸኒ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለው እሞ፡ ምሳኻትኩም ኰይኖም ሓርኦም ኪበልዑ ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነን በሎም።
28. ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበ፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።
29. እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ህዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሹኹም፡
30. ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።
31. ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ማይ ዔላኡ ይስተ።
32. ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ።
33. ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሐነዶ ኣሎ
34. ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው ኣማልኽቲ ሰፈርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ ኣለው ንሰማርያዶ ኻብ ኢድይ ኣድሒኖምዋ እዮም
35. እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሐኑ ኣየኖት እዮም
36. እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዙዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
37. ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ ጸሓፍ ዛንታን ክደውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ።

  2Kings (18/25)