2Kings (17/25)  

1. ንኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ሆሴእ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ ትሽዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፋእ ገበረ፡ ግናኸ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤልስ ኣይኰነን።
3. ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ንምጽራሩ ደየበ፡ ሆሴእ ከኣ ግዙኡ ዀይኑ ግብሪ ገበረሉ።
4. እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ኣብ ሆሴእ ዕልወት ረኸበ፡ ንሱ ናብ ሶእ ንጉስ ግብጺ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ከምቲ ዓመት ንዓመት ዚገብሮ ዝነበረ፡ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ኣይሰደደሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣሲሩ ኣብ ቤት እሱራት ዐጸዎ።
5. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ናብ ብዘላ እታ ሃገር ደየበ፡ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸኣ ለሰስተ ዓመት ከበባ።
6. ንሆሴእ ኣብ ታስዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሐዛ፡ ንእስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ጥቓ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።
7. ደቂ እስራኤል ከኣ ነቲ ኻብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዝፈርሁ እዩ ኸምኡ ዝዀነ።
8. ንሳቶም ብሕጋጋት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታትን በቲ ነገስታት እስራኤል ዚገብርዎ ዝነበሩን ከዱ።
9. እወ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኲለን ከተማታቶም ድማ በረኽቲ ሰርሑ።
10. ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ከኣ ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ኣቘሙ።
11. ኣብኡ ድማ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ዝሰጐጎም ህዝብታት ኣብ ኲሉ በረኽቲ ይዐጥኑ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ድማ ክፋእ ገበሩ።
12. ነቶም እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትግብርዎ ዝበሎም፡ ነቶም ጣኦታት ኣገልገልዎም።
13. እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዂሎም ነብያትን ብዂሎም ረኣይትን ገይሩ፡ ካብ ክፋእ መገድኹም ተመለሱ፡ ከምቲ ነቦትትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ብባሮተይ ነብያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩልኩም ኲሉ ሕጊ ትእዛዛተይን ሕጋጋተን ሐልው፡ ኢሉ መስኪሩሎም ነበረ።
14. ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ከም ክሳድ እቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ፡
15. ንሕጋጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝመሰከረሎም ምስክራትን ነዐቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ስዒቦም ከኣ ከንቱ ዀኑ፡ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከማታቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ሰዐቡ።
16. ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሐዲጎም ከኣ ዝፈሰሰ ምስልታት፡ ክልተ ምራኹት ገበሩ፡ ኣስታርተውን ገበሩ፡ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፡ ንበዓልውን ኣገልገልዎ።
17. ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፡ ዛዕጐል የውድቑን የማርቱን ድማ ነበሩ። ምእንቲ ኬዀርይዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ።
18. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ብእስራኤል ኣዝዩ ዀረየ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሐቖም። ብጀካ ነገድ ይሁዳ በይና ኻልእ ኣይተረፈን።
19. ይሁዳ ኸኣ በቲ እስራኤል ዝገበርዎ ሕጋጋት ከደ እምበር፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሐለውዎን።
20. እግዚኣብሄር ድማ ንብዘሎ ዘርኢ እስራኤል ንዒቑ ኣዋረዶም፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ከኣ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሀቦም።
21. ንሱ ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ፈልይዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፡ የሮብዓም ከኣ ንእስራኤል ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣርሐቖም፡ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣሕጥኦም።
22. እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዂሎም ባሮቱ ነብያት ተዛሪብዎ ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ እስራኤል ካብ ምድሩ ኽሳዕ ሎሚ ናብ ኣሶር ተማሩኹ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ብዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም፡ በቲ ንሱ ዝገበሮ ኸዱ፡ ካብኡ ኣየግለሱን።
23. እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዂሎም ባሮቱ ነብያት ተዛሪብዎ ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ እስራኤል ካብ ምድሩ ኽሳዕ ሎሚ ናብ ኣሶር ተማሩኹ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ብዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም፡ በቲ ንሱ ዝገበሮ ኸዱ፡ ካብኡ ኣየግለሱን።
24. እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ሰፋርዋዪምን ሰባት ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸኣ ወረስዋ፡ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ።
25. ኰነ ድማ፡ እቲ መጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣናብስ ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ገለ ኻባታቶም ቀተሉ።
26. ነቲ ንጉስ ኣሶር፡ እቶም ኣጒዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገርስ ኣይፈልጡን እዮም፡ ስለዚ ኣናብስ ሰደደሎም፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ኸኣ፡ እነው፡ ይቐትልዎም ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ።
27. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር፡ ካብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ሰደዱ፡ ከይዶም ድም ኣብኡ ይቀመጡ እሞ፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምሀሮም፡ ኢሉ ኣዘዘ፡
28. ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መጺኡ ኸኣ ኣብ ቤትኤል ተቐመጠ፡ ንሱ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዚፈርህዎ መሀሮም።
29. ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣማልኽቱ ገይሩ ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ኣንበሮም።
30. እቶም ሰብ ባቢሎን ከኣ ሱኮትቤኖት ገበሩ፡ እቶም ሰብ ኩት ድማ ኔርጋል ገበሩ፡ ሰብ ሓማት ከኣ ኣሺማ ገበሩ፡
31. እቶም ዓዋውያን ድማ ኒብሓዝን ተርታቅን ገበሩ፡ እቶም ሰፋርዋውያን ከኣ ንኣድራመለክን ንዓናመለክን፡ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪም፡ ደቆም ብሓዊ የንድዱ ነበሩ።
32. ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርህዎ ነበሩ፡ ካብ ማእከሎም ከኣ ዝዀነ ሰብ ካህናት በረኽቲ ገበሩ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ኣባይቲ በረኽቲ ይስወኡሎም ነበሩ።
33. ንእግዚኣብሄር ይፍረህዎ ነበሩ፡ ግናኸ፡ ከም ስርዓት እቶም ካብኡ ዝሰደድዎም ህዝብታት፡ ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ።
34. ክሳዕ ሎሚ ኸም ስርዓት ቀደም ይገብሩ ኣለው፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ከም ሕጋጋቶምን ከም ፍርድታቶምን ወይ ከምቲ እግዚኣብሄርስ ንደቂ ያእቆብ፡ ንእኡ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ፡ ዝኣዘዞም ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኣይገበሩን።
35. እግዚኣብሄር ድማ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ፡ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎምን ኣይትስገዱሎምን ኣይተገልግልዎምን ኣይትሰውኡሎምን።
36. ነቲ ብዓብዪ ሓያልን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ደኣ ፍርህዎ፡ ንእኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንእኡ ኸኣ ሰውኡሉ።
37. ነቲ ዝጸሐፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም።
38. ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይትፍርህዎም።
39. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርህዎ፡ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቱኹም ኬድሕነኩም እዩ።
40. ንሳቶም ግና ከምቲ ስርዓት ቀደሞም ደኣ ገበሩ እምበር፡ ኣይሰምዑን።
41. ከምኡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ የገልግልዎን ነበሩ። እቶም ደቆምን፡ ንሳቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለው።

  2Kings (17/25)