2Kings (16/25)  

1. ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመቱ ኣሃዝ፡ ወዲ ዮታም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2. ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ኣይነበረን፡
3. ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደኣ ኸደ፡ ኤረ ንሱስ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ገይሩ እኳ ደኣ ወዱ ብሓዊ ኣሕለፈ።
4. ኣብ በረኽቲ ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5. ሽዑ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ፡ ወዱ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ። ንኣሃዝ ድማ ከበብዎ፡ ኪስዕርዎ ግና ኣይከኣሉን።
6. በታ ጊዜ እቲኣ ረጺን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፡ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፡ ሶርያውያን ከኣ ናብ ኤላት መጺኦም፡ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው።
7. ኣሃዝ ከኣ ናብ ቲግላትጲሌሰር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኣነ ጊልያኻን ወድኻን እየ፡ ካብ ኢድ እቶም ተንሲኦምኒ ዘለው ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ከተድሕነኒ ደይብ፡ በሎ።
8. ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሱዱ ንንጉስ ኣሶር ገጸ በረኸት ሰደደሉ።
9. ንጉስ ኣሶር ከኣ ሰምዖ እሞ እቲ ንጉስ ኣሶር ንደማስቆ ደዪቡ ሐዛ፡ ኣብኣ ንዝነበሩ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፡ ንረጺንውን ቀተሎ።
10. ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንቲግላትጲሌስር ንጉስ ኣሶር ኪቃባበሎ ናብ ደማስቆ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ መሰውኢ ኸኣ ረኣዮ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዂሉ ስራሑን ገይሩ ንካህን ኡርያ ሰደደሉ።
11. ካህን ኡርያ ኸኣ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ዂሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካህን ኡርያ ኸምኡ ገበረ።
12. እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ መሰውኢ ረኣዮ፡ እቲ ንጉስ ናብቲ መሰውኢ ቐረቡ ኸኣ ናብኡ ደየበ።
13. ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ድማ ኣሕረረ፡ ናይ መስተ መስዋእቱውን ኣፍሰሰ፡ ደም እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነጸገ።
14. ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ወሲዱ ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ ኣቐመጦ።
15. ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንኻህን ኡርያ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ብጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዕን፡ ናይ ንጉስ ዚሐርር መስዋእቲ ብልዕን፡ ናይ ንጉስ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ኣሕርሮ፡ ንዂሉ ደም እቲ ዚሐርር መስዋእቲን ንዂሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ንጸጎ፡ ናይቲ መሰውኢ ኣስራዚ ግና እንታይ ከም ዝገብሮ ሓሳቡ ኣባይ ይኹን፡ ኢሉ ኣዘዞ።
16. ካህን ኡርያ ድማ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ዝኣዘዞ ዂሉ ገበረ።
17. ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንወሰናት እቲ መቐመጢታት ሰባቢሩ፡ ነቲ ገበራ ኻብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፡ ነቲ ባሕሪውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ኣስራዚ ኣውሪዱ፡ እምኒ ኣብ እተነጽፎ ምድሪቤት ኣንበሮ።
18. ነታ ኣብታ ቤት ሰሪሖምዋ ዝነበሩ እተኸድነት መገዲ ሰንበትን ነቲ ብወጻኢ ዝነበረ መእተው ንጉስን ከኣ ብምኽኒያት ንጉስ ኣሶር ናብ ቤት እግዚኣብሄር መለሶ።
19. እቲ ዝተረፈ ኣሃዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
20. ኣሃዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

  2Kings (16/25)