2Kings (15/25)  

1. ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራን ሾቦዓተን ዓመቱ ኣዛርያ፡ ወዲ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2. ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
3. ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
4. ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን ነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ፡ ኣብ ፍልይቲ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ዮታም ወዲ ንጉስ ድማ ዋና እታ ቤት ኰይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር ይፈርድ ነበረ።
6. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጺሒፉ ኣየሎን፡
7. ኣዛርያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ዮታም ወዱ ነገሰ።
8. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ዘካርያስ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ሹድሽተ ወርሒ ኸኣ ገዝኤ።
9. ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን።
10. ሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ተማሓሐለሉ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ።
11. እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
12. እቲ እግዚኣብሄርስ ንየሁ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ዀነ።
13. ንኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ሓንቲ ወርሒ ገዝኤ።
14. ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ ደዪቡ ናብ ሰማርያ መጸ፡ ንሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡውን ነገሰ።
15. እቲ ዝተረፈ ናይ ሻሎም ነገርን እቲ እተማሓሐሎ ማሕላን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒሩ ኣሎ።
16. ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብኣ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብኣ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን።
17. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ዓሰርተ ዓመት ገዝኤ።
18. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፋእ ገበረ። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት፡ ኣየግለሰን።
19. ፋል ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ሃገር መጸ። ምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምእንቲ ኽትጸንዕ ኪድግፎ ኢሉ፡ ንፋል ሽሕ ታለንት ብሩር ሀቦ።
20. ምናሔም ድማ ንንጉስ ኣሶር ምእንቲ ኺህብ፡ ካብ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዘበሉ፡ ካብ ንፍሲ ወከፍ ሰብ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ኣውጽኤ። እቲ ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብኣ ኣብታ ሃገርውን ኣይቈመን።
21. እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣየሎን
22. ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ።
23. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
24. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ። ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን።
25. ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ሓላቑኡ፡ ድማ ተማሓሐለለኡ እሞ ንእኡ ምስ ኣርጎብን ኣርየን ገይሩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ኣደራሽ ቤተ ንጉስ ቀተሎ። ምስእ ድማ ካብ ደቂ ጊልዓዳውያን ሓምሳ ሰብ ነበሩ፡ ንእኡ ቐቲሉ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
26. እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
27. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዕስራ ዓመት ድማ ገዝኤ።
28. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፋእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ኣየግለሰን።
29. ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላትጴሌሰር ንጉስ ኣሶር መጸ፡ ንዒዮንን ንኣቤልቤትማዓካን ንያኖኣን ንቃዴስን ንሓጾርን ንጊልዓድን ንገሊላን፡ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌም ሐዛ፡ ናብ ኣሶር ከኣ ማረኾም።
30. ሆሴእ ወዲ ኤላ ድማ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ተማሓሐለሉ፡ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ፡ ንዮታም ወዲ ኡዝያ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
31. እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን እስራኤል ተጺሒፉ ኣሎ።
32. ንጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ረማልያ፡ ኣብ ካልኣቲ ዓመቱ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
33. ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።
34. ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ከምቲ ኣቦኡ ኡዝያ ዝገበሮ ዂሉ ገበረ።
35. ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ።
36. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
37. በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ ወዲ ረማልያን ንምጽራር ይሁዳ ኺሰዶም ጀመረ።
38. ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ።

  2Kings (15/25)