2Kings (14/25)  

1. ንዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣማሰያ ወዲ ዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2. ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ዮርሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ግዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ ዮርሳሌም እያ።
3. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይኰነን፡ ከምቲ ኣቦኡ ዮኣስ ዝገበሮ ዂሉ ደኣ ገበረ።
4. ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5. ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ነቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላውኡ ቐተሎም።
6. ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ኣብ ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቂ ቐታሎስ ኣይቀተሎምን።
7. ንሱ ንኤዶማውያን ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንሴላ ኸኣ ብውግእ ሐዛ፡ ስማ ድማ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፡ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።
8. ሽዑ ኣማስያ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ፡ ንዓ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
9. ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማሰያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖስ ጓልካ ሀበኒ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፈ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጾ።
10. ንኤዶም ርግጽ ስዒርካ፡ ልብኻ ተዐብዩ ኣሎ፡ ክበር፡ ኣብ ቤትካ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ ኽትወድቁሉስ፡ ስለምንትይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ
11. ኣማስያ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሸመሽ ገጽ ንገጽ ተራኣኣዩ።
12. ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
13. ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤትሸመሽ ወሰዶ፡ ናብ ዮሩሳሌም ከኣ መጸ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ።
14. ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን ወሰደ፡ ደቂውን ዝሆ ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
15. እቲ ዝተረፈ ዮኣስ ዝገበሮ ነገርን መንፍዓቱን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
16. ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ከኣ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ። የሮብዓም ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
17. ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ፡ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ።
18. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
19. ኣብ የሩሳሌም ድማ ማሕላ ተማሓሐሉሉ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ላኪሽ ሀደመ፡ ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰደዱ፡ ኣብኣውን ቀተልዎ፡
20. ኣብ ኣፍራስ ከኣ ሰቐልዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ተቐብረ።
21. ብዘለው ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኣዛርያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዶም ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።
22. ንሱ ንኤላት ሰርሓ፡ ድሕሪ ምድቃስ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ድማ ናብ ይሁዳ ኣምለሳ።
23. ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝኤ።
24. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ከምቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
25. ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋትሔፈር ዝነበረ ባርያኡ ነብዪ ዮናስ ወዲ ኣማቲ እተዛረቦ ቓል ነቲ ዶብ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዜእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጐልጐል ኣምለሶ።
26. እዚ እግዚኣብሄር እቲ ጸበባ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፡ እሱር ኰነ ዘይእሱር ድማ ከም እተወድኤ፡ ንእስራኤል ከኣ ረዳኢ ኸም ዜብሉ ስለ ዝረኣየ እዩ።
27. እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ ኢሉ ኣይተዛረበን፡ ስለዚ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ኣድሐኖም።
28. እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን መንፍዓቱን፡ ድማ ከመይ ከም እተዋግኤ፡ ነተን ናይ ይሁዳ ዀይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
29. የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።

  2Kings (14/25)