2Kings (13/25)  

1. ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ዮኣሓዝ ወዲ ዮሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ደድሕሪ እቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ሰዐበ፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
3. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ ብዂሉ እቲ ዘመን እቲ ኣብ ኢድ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ኢድ ቤንሃዳድ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሀቦም።
4. ዮኣሓዝ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጥቕዓት እስራኤል፡ ንጉስ ሶርያ ኸመይ ከም ዘጥቅዖም ርእዩ ነበረ እሞ፡ ሰምዖ።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል መድሓኒ ሀቦም እሞ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ሶርያውያን ወጹ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ።
6. ግናኸ ካብቲ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሱን፡ ብእኡ ደኣ ኸዱ። እታ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብ ሰማርያ ቘይማ ነበረት።
7. እቲ ንጉስ ሶርያ ኸም ብቚቡቚ ዓውዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡ ንዮኣሓዝ፡ ብጀካ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን፡ ገለ እኳ ኣየትረፈሉን።
8. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣሓዝ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን መንፈዓቱን ንሱ ኣብ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
9. ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ።
10. ንዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
11. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ብእኡ ኸደ እምበር፡ ከቶ ኣየግለሰን።
12. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኣሉ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
13. ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። የሮብዓም ከኣ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።
14. ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ እማም ሐመመ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ ኣብቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ በኸየ።
15. ኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ፡ በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታትን ወሰደ።
16. ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐል፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሰቐለ። ኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገበረ።
17. ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶ፡ በሎ። ከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውር፡ በሎ። ንሱ ድማ ወርወረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄር፡ ፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለ።
18. ፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎ። ወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያ፡ በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ።
19. ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎ።
20. ኤልሳእ ድማ ሞተ፡ ቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ።
21. ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለው፡ እንሆ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሐወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
22. ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዂሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም።
23. እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ደንገጸሎም፡ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቕን ዝኣተዎ ኺዳን ኢሉ ድማ ገጽ መለሰሎም፡ ኬጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን።
24. ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ቤንሃዳድ ነገሰ።
25. ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ድማ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኢዱ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ካብ ኢድ ቤንሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ሰለስተ ሳዕ ሰዐሮ፡ ነተን ከተማታት እስራኤል ከኣ ኣምለሰን።

  2Kings (13/25)