2Kings (12/25)  

1. ንየሁ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ዮኣብ ነገሰ፡ ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤርሸባዕ እያ።
2. ዮኣብ ከኣ በቲ ኻህን ዮያዳ ኺምህሮ ኸሎ ዝነበሮ ዂሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
3. ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡን ይዐጥንን ነበረ።
4. ዮኣብ ድማ ነቶም ካህናት፡ ኲሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣቱ እተቐደሰ ገንዘብ፡ ዚተሐላለፍ ገንዘብ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገምጋም ነፍሲ ዚህቦ ገንዘብን እቲ ልቡ ዝደፍኦ ሰብ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዘምጽኦ ዂሉ ገንዘብን፡
5. እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ከካብ ዚፈልጥዎ ይውሰዱ እሞ ንሳቶም ነቲ ፍራሳት እታ ቤት፡ ኣብኣ እተረኽበ ዘበለ ዂሉ ፍራሳት ይጸግኑ፡ በሎም።
6. ግናኸ እቶም ካህናት ነቲ ፍራሳት እታ ቤት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ዮኣስ ኣይጸገንዎን።
7. ሽዑ ንጉስ ዮኣስ ንኻህን ዮያዳን ነቶም ካልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እዛ ቤት ዘይጸገንኩምዎ ሕጂ ኸኣ ንመጸገን ፍራሳት እታ ቤት ሀቡ እምበር፡ ደጊምሲ ኸካብቶም እትፈልጥዎም ገንዘብ ኣይትውሰዱ፡ በሎም።
8. እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፡ ንፍራሳት እታ ቤት ከኣ ከይጽግኑ ሰመሩ።
9. ካህን ዮያዳ ግና ሓደ ሳጹን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ነቶም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣትው ሰብ ብየማኖም ኣቐመጦ። እቶም ደገ ዚሕልው ኻህናት ድማ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ዂሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ።
10. ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ግንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናዩ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደየቡ፡ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ገንዘብ ቈጺሮም ኣብ ኣኽያሽ ኣሰርዎ።
11. እቲ እተመዘነ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሀቡ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ጸረብቲ ዕጨይትን ንሃነጽትን፡
12. ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዂሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ።
13. እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዐየዩ ሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዜድሊ ጻሕሊ ብሩር፡ መሳቐዪታት፡ ጭሔሎታት፡ መለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን።
14. እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዐየዩ ሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዜድሊ ጻሕሊ ብሩር፡ መሳቐዪታት፡ ጭሔሎታት፡ መለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን።
15. ነቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ኺህቡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሀብዎም ሰብ ብእምነት ስለ ዝገበርዎ፡ ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ።
16. እቲ ገንዘብ መስዋእቲ በደልን ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኻህናት ኰነ እምበር፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ኣይኣተወን።
17. ሽዑ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት ተዋጊኡ ሐዛ። ሓዛኤል ድማ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዔ።
18. ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እቲ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ዝቐደስዎ ዂሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝቐደሶን ድማ፡ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ናይ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ወሲዱ፡ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ካብ ዮርሳሌም ተመልሰ።
19. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
20. ንዮኣስ ድማ ገላውኡ ተንሲኦም ማሕላ ተማሓሐሉሉ፡ ኣብታ ኣብ መውረዲት ሲላ ዘላ ቤት ሚሎ ኸኣ ቀተልዎ።
21. እቶም ገላውኡ ኦዛክር ወዲ ሺምዓትን ዮዛባድ ወዲ ሾሜርን ኰይኖም ወቕዕዎ። ሞተ ድማ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

  2Kings (12/25)