2Kings (11/25)  

1. ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዓሌት መንግስቲ ኣጥፍኤት።
2. ግናኸ የሆሸና ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሓዚያ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ እሞ፡ ንእኡን ንመጒዚቱን ኣብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብኣቶ፡ ኣይተቐትለን ድማ።
3. ምስኣ ተሐቢኡ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሹድሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ዓታልያ ነጊሳ ነበረት።
4. በታ ሳብዐይቲ ዓመት ከኣ ዮያዳ ነቶም ናይ ካራውያን ሓላቑ ሚእትታትን ንዘብዔኛታትን ልኢኹ ኣምጽኦም፡ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፡ ምሳታቶም ኪዳን ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሐሎም፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም።
5. ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ እቶም ካባኻትኩም ብሰንበት ዚኣትው፡ ሲሶ ሓለዋ ቤት ንጉስ ይሐልው፡
6. እቶም ሲሶ ድማ ኣብ ደገ ሱር፡ እቶም ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ዘብዔኛታት ዘሎ ደገ ይኹን። ሐለዋ እታ ቤት ሐሊኹም ከኣ ከልክሉ።
7. እቶም ክልተ ኽፍሊ ኻባኻትኩም ድማ፡ እቶም ብሰንበት ዚወጽ ዂሎም፡ ሓለዋ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ንጉስ ይሐልው።
8. ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። እቲ ጥሒሱ ኣብ መስርዕ ዚኣቱ ድማ ይሙት። እቲ ንጉስ ኪወጽእን ኪኣቱን ከሎ ኸኣ፡ ምስኡ ኹኑ።
9. እቶም ሓላቑ ሚእቲ ኸኣ ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሰቦም፡ ነቶም ብሰንበት ዚኣትው ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም ወሰድዎም፡ ናብ ካህን ዮያዳ ድማ መጹ።
10. እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም።
11. እቶም ዘብዔኛታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤት ጀሚሮም ክሳዕ ጸጋማይ መኣዝን ኣታ ቤት ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቈሙ።
12. ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ ዘውዲ ደፍኣሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀቦ። ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ፡ ኣእዳዎም እናኣጣቕዑ ድማ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።
13. ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ዘብዔኛታትን ህዝብን ምስ ሰምዔት፡ ናብቲ ህዝቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት።
14. እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ነበረ፡ እቶም ሓላቑን እቶም መለኸተኛታትን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ ዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨርሔት።
15. እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዚሰዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
16. ሽዑ ሐዝዋ፡ በታ ኣፍራስ ናብ ቤተ ንጉስ ዚኣትውላ መገዲ ድማ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ።
17. ዮያዳ ድማ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ኪዳን ኣቘመ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ከኣ ከምኡ ገበረ።
18. ብዘለው ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ኣዝዮም ሰባበርዎ፡ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሐረድዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ።
19. ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ካራውያንን ንዘብዔኛታትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰደ፡ ነቲ ንጉስ ከኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረድዎ፡ ብመገዲ ደገ ዘብዔኛታት ኣቢሎም ድማ ናብ ቤተ ንጉስ መጹ። ኣብ ዝፋን ነገስታት ከኣ ተቐመጠ።
20. ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጐሰ፡ እታ ኸተማውን ሀድኤት። ንዓታልያ ግና ኣብ ቤተ ንጉስ ብሴፍ ቀተልዋ።
21. ዮኣብ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ።

  2Kings (11/25)