2Kings (10/25)  

1. ኣከኣብ ከኣ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበረዎ። የሁ ድማ ናብ ሰማርያ፡ ናብ ሓላቑ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከኣብን ከምዚ ዚብል ደብዳበ ጽሒፉ ሰደደ፡
2. ሕጂ ኸኣ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ በጽሓትኩም፡ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ከለው ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዐርደ ኸተማን ኣጽዋርን ደማ ምሳኻትኩም ከሎስ፡
3. ካብቶም ደቂ ጐይታኹም እቲ ዝጸበቐን ዝሔሸን ርኢኹም ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ስለ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ።
4. ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ዘይቈሙስ፡ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም በሉ።
5. እቲ ኣዛዝ ቤትን እቲ ኣዛዝ እታ ኸተማን እቶም ዓበይቲን እቶም መዕበይቲ ደቅን ናብ የሁ፡ ንሕና ገላውኻ ኢና፡ ዝበልካና ዘበለ ዂሉ ንገብር፡ ባህ ዜብለካ ደኣ ግበር እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና፡ ኢሎም ለኣኹ።
6. ሽዑ ኻልእ ሳዕ፡ ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፡ ቃለይ ድማ እንተ ሰሚዕኩምሲ፡ ኣርእስ እቶም ሰባት ደቂ ጐይታኹም ውሰዱ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ይዝርኤል ናባይ ምጹ፡ ኢሉ ደብዳበ ጸሐፈሎም። እቶም ደቂ ንጉስ ድማ ሰብዓ ሰብ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነብሩ።
7. ኰነ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ሒዞም ሐረድዎም፡ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ናብኡ ሰደድዎ።
8. ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎ፡ ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ ጽባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዂምራ ግበርዎ፡ በለ።
9. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ወጸ፡ ደው ኢሉ ድማ ነቲ ዂሉ ህዝቢ፡ ንስኻትኩምሲ ጻድቃን ኢኺም፡ እንሆ፡ ንጐይታይ እተማሓሐልኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፡ ነዚኣቶም ኲሎምስ መን ቀተሎም
10. እምበኣርሲ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ገለ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወደቕ ፍለጡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገበሮ፡ በለ።
11. የሁ ኸኣ ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከኣብ ተረፎም ንዝነበሩ ዂሎምን ንብዘለው ዓበይቱን ኣመንቱን ካህናቱን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም።
12. ድሕርዚ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ድማ መጸ። ኣብታ ኣብ መገዲ ዘላ ቤት መኣከቢ ጓሶት ምስ በጽሔ፡
13. የሁ ነሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ፡ ንስኻትኩም እንመን ኢኹም በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ኢና፡ ንደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣሎና፡ በሉ።
14. ንሱ ኸኣ፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰብ ከኣ ብህይወት ሒዞም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት ኣከኣብ ጓሶት ዘሎ ዔላ ሐረድዎም፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን።
15. ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኪቃባበሎ ኸሎ ረኸቦ፡ ሰላም ኢልዎ ድማ፡ ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዘሎ፡ ልብኻኸ ቕኑዕ ድዩ በሎ። ዮናዳብ ከኣ፡ ከምኡ እዩ፡ በለ። ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሀበኒ፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሀቦ። ናብ ሰረገላ ኸኣ ናብኡ ኣደየቦ።
16. ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር ርኤ፡ ድማ በለ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ኣወጥሕዎ።
17. ናብ ሰማርያ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንኤልያስ እተዛረቦ፡ ካብ ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዂሎም ክሳዕ ዜጽንቶም ቀተሎም።
18. የሁ ድማ ንብዘለው ህዝቢ ኣኪቡ፡ ኣከኣብሲ ንበዓል ቅሩብ እዩ ዘገልገሎ፡ የሁ ግና ኣብዚሑ ኼገልግሎ እዩ።
19. ሕጂ ኸኣ፡ ንበዓል ብዙሕ ዝስውእ ኣሎኒ እሞ፡ ንዂሎም ነብያት በዓል፡ ኲሎም ኣገልገልቱን ኲሎም ካህናቱን ጸውዑለይ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣየጒደል፡ ዝጐደለ ዘበለ ብህይወት ኣይነብርን እዩ፡ በሎም። የሁ ግና ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኼጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ።
20. የሁ ኸኣ፡ ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱ፡ በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ።
21. የሁ ድማ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለኣኸ፡ ኣገልገልቲ በዓል ከኣ ኲሎም መጹ፡ ከይመጸ ዝተረፈ ሰብ የልቦን። ናብ ቤት በዓል ድማ ኣተው፡ ቤት ብዓል ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልኤት።
22. ነቲ ሓላው ክዳውንቲ ድማ፡ ንዂሎም ኣገልገልቲ በዓል ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም።
23. ሽዑ የሁ ምስ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል ኣተወ እሞ ነቶም ኣገልገልቲ በዓል፡ ብጀካ እቶም ኣገልገልቲ በዓል ጥራይሲ፡ ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይህሉ ኣስተብሂልኩም ርኣዩ፡ በሎም።
24. መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኪስውእ ኸኣ ኣተወ። የሁ ግና ሰማንያ ሰብ ብወጻኢ ኣቐሚጡ፡ ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘሎኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ክንዲ እታ ነፍሲ እቲኣ ነፍሱ ኽትሐልፍ እያ፡ በለ።
25. ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈጸመ፡ የሁ ነቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን፡ እተው፡ ቅተልዎም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይውጻእ፡ በሎም። ብስሕለት ሴፍ ከኣ ቀተልዎም፡ እቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን ድማ ደርብዮምዎም ናብ ከተማ ቤት በዓል ከዱ።
26. ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከኣ ኣውጺኦም ኣንደድዎ።
27. ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፡ ነቲ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ ዓይኒ ምድሪ ገይሮምዋ ኣለው።
28. የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ።
29. የሁ ግና ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ማለት ደድሕሪ እቶም ኣብ ቤትኤል ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኻብ ምስዓብ ኣየግለሰን።
30. እግዚኣብሄር ድማ ንየሁ፡ ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካ፡ ንቤት ኣከኣብውን ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዂሉ ስለ ዝገበርካያ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ በሎ።
31. ግናኸ የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን።
32. በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ኪቚርምማ ጀመረ። ሓዛኤል ድማ ንእስራኤል ኣብ ኲሉ ዶባቶም ወቕዖም፡
33. ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ንብዘላ ምድሪ ጊልዓድ፡ ንደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ኣብ ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንጊልዓድን ባሳንን ከኣ ሰዐሮም።
34. እቲ ዝተረፈ ናይ የሁ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ኲሉ መንፍዓቱን ድማ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
35. የሁ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያ ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ።
36. እቲ ዮሁ ኣብ ሰማርያ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ድማ ዕስራን ሾሞንተን ዓመት እዩ።

  2Kings (10/25)