2John (1/1) |
1. | ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፡ ኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዂላቶም ድማ ዜፍቅርዎም፡ |
2. | ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና። |
3. | ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ። |
4. | ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ። |
5. | ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሐፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። |
6. | ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ። |
7. | የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይኣመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። |
8. | ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። |
9. | እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ። |
10. | ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘየምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። |
11. | እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ። |
12. | ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። |
13. | ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ። |
2John (1/1) |