2Corinthians (9/13)  

1. ኣካይያ ኻብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶንያውን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ።
2. ኣካይያ ኻብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶንያውን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ።
3. ትምክሕትና ብኣኻትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣሎኹ።
4. እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፡ ንስኻትኩም ከይንብልሲ፡ ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣኽክዎም።
5. እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኹምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ።
6. ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ።
7. ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ፡
8. ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዂሉ ዂሉ ሳዕ ዚኣክል ኲሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዂሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡
9. ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዂሉ ዂሉ ሳዕ ዚኣክል ኲሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዂሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡
10. ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራን ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቅኹምውን ኬብቊሎን እዩ፡
11. ንስኻትኩም ከኣ ብዂሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዐዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም።
12. እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡
13. ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ስለቲ ንኣታቶምን ንዂሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።
14. ንሳቶምውን ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም።
15. ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

  2Corinthians (9/13)