2Corinthians (8/13)  

1. ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡
2. ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶም ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ።
3. ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶም ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ።
4. ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡
5. ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡
6. ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባኻትኩምውን ኪፍጸም፡ ምዒድናዮ ኣሎና።
7. ግናኸ ብዂሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዐዘዝኩምጅ፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ።
8. እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን።
9. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
10. እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም።
11. ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ።
12. ፍቓድ ልቢ እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን።
13. ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን።
14. ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጒደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
15. ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጒደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
16. ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ ብዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባኻትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
17. ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ ብዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባኻትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
18. ምስኡውን ነቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓው ሰዲድና ኣሎና።
19. እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
20. ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና።
21. ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና።
22. ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ ብዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ ኣሎና።
23. ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባኻትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም።
24. እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።

  2Corinthians (8/13)