| ← 2Corinthians (6/13) → |
| 1. | ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና። |
| 2. | ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ። |
| 3. | ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። |
| 4. | ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ |
| 5. | ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ |
| 6. | ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ |
| 7. | ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ |
| 8. | ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡ |
| 9. | ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ |
| 10. | ከም ጒሁያት፡ ግናኸ ኲሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኲሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብልና ኴንና ንረኤ ኣሎና። |
| 11. | ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ። |
| 12. | ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ። |
| 13. | ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፡ ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ። |
| 14. | ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ንጽድቅን ሓጢኣትን ኣንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ |
| 15. | ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ |
| 16. | ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ፡ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። |
| 17. | ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ |
| 18. | ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዂሉ ዚከኣሎ ጐይታ። |
| ← 2Corinthians (6/13) → |