| ← 2Corinthians (3/13) → |
| 1. | ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቊብ ንጅምር ኣሎና፧ ወይስ ከምቶ ም ገሊኦምዶ እተማዕቊበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እሮኣ፧ |
| 2. | ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኲሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስኻትኩም ኢኹም። |
| 3. | ንስኻትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት፡ ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ። |
| 4. | ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ |
| 5. | ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። |
| 6. | ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና። |
| 7. | ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ኻብ መጸትሲ፡ |
| 8. | ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧ |
| 9. | እታ ኣገልግሎት ኲነኔ ኻብ እትኸብር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዐዝዝ፧ |
| 10. | እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን። |
| 11. | እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን። |
| 12. | እምብኣርስ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡ |
| 13. | ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጒልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። |
| 14. | ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣይተቐልዐሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። |
| 15. | ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። |
| 16. | ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ። |
| 17. | ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። |
| 18. | ንሕና ዂላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ። |
| ← 2Corinthians (3/13) → |