2Corinthians (3/13)  

1. ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቊብ ንጅምር ኣሎና፧ ወይስ ከምቶ ም ገሊኦምዶ እተማዕቊበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እሮኣ፧
2. ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኲሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስኻትኩም ኢኹም።
3. ንስኻትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት፡ ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።
4. ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡
5. ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።
6. ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።
7. ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ኻብ መጸትሲ፡
8. ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧
9. እታ ኣገልግሎት ኲነኔ ኻብ እትኸብር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዐዝዝ፧
10. እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን።
11. እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን።
12. እምብኣርስ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡
13. ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጒልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና።
14. ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣይተቐልዐሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ።
15. ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ።
16. ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ።
17. ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
18. ንሕና ዂላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።

  2Corinthians (3/13)