| ← 2Corinthians (2/13) → |
| 1. | ከም ብሓድሽ ድማ ብጓሂ ናባኻትኩም ከይመጽእ፡ እዚ ብርእሰይ መደብክዎ። |
| 2. | ማለት፡ ኣነ እንተ ኣጒሄኹኹምሲ፡ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝጐሀየ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ዜሐጒሰኒ፧ |
| 3. | ሓጐሰይ ሓጐስ ኲላትኩም ከም ዝዀነ ብዂላትኩም እናተኣመንኩ፡ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዚግብኣኒ፡ ክመጽእ ከሎኹ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ እዚ ዝጽሐፍኩልኩም። |
| 4. | እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእኝቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጒህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን። |
| 5. | ሓደ ሰብ ዘጒሀየ እንተሎ ግና፡ እምብዛ ኸየኽብደሉ፡ ብሓደ ወገኑስ ንዂላትኩም እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዘጒሀየ። |
| 6. | ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። |
| 7. | እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። |
| 8. | ብዂሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። |
| 9. | ብዂሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። |
| 10. | ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ። |
| 11. | ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ። |
| 12. | ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፊቱለይ ከሎስ፡ |
| 13. | ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን። |
| 14. | ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኲሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኲሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። |
| 15. | ማለት፡ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ |
| 16. | ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፧ |
| 17. | ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ ኣይኰንናን። |
| ← 2Corinthians (2/13) → |