2Corinthians (12/13)  

1. ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ።
2. ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።
3. ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡
4. ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።
5. በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ።
6. ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዐሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚሰምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ።
7. ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።
8. እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡
9. ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
10. እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።
11. ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዐሽየ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ።
12. ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዂሉ ትዕግስቲ ተገብረ።
13. ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፧ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ።
14. እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይከኽብደልኩምን እየ።
15. ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጒዲልኩም ተፍቅሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍስኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኲሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ።
16. እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን።
17. ነቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧
18. ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣስኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧
19. ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ኻብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኲሉ ንምህናጽኩም እዩ።
20. ክመጽእ ከሎኹ፡ ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኲራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዂሽዂ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ።
21. ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጒሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ።

  2Corinthians (12/13)