| ← 2Corinthians (12/13) → | 
| 1. | ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ። | 
| 2. | ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። | 
| 3. | ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ | 
| 4. | ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። | 
| 5. | በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። | 
| 6. | ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዐሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚሰምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ። | 
| 7. | ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። | 
| 8. | እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ | 
| 9. | ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። | 
| 10. | እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ። | 
| 11. | ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዐሽየ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ። | 
| 12. | ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዂሉ ትዕግስቲ ተገብረ። | 
| 13. | ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፧ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ። | 
| 14. | እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይከኽብደልኩምን እየ። | 
| 15. | ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጒዲልኩም ተፍቅሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍስኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኲሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ። | 
| 16. | እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን። | 
| 17. | ነቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ | 
| 18. | ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣስኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧ | 
| 19. | ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ኻብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኲሉ ንምህናጽኩም እዩ። | 
| 20. | ክመጽእ ከሎኹ፡ ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኲራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዂሽዂ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። | 
| 21. | ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጒሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ። | 
| ← 2Corinthians (12/13) → |