2Chronicles (9/36)  

1. ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ምስ ሰምዔት፡ ንሰሎሞን ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ፡ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞን ቀመማትን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝጾራ ኣግማል ሒዛ ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ።
2. ሰሎሞን ከኣ ነቲ ዝጠየቐቶ ዂሉ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ሰሎሞን እተሰወረ ነገር ከኣ ኣይነበረን።
3. ንግስቲ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን መብልዕ መኣዱን ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣቓውማ ኣገልገልቱን ኣኻዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ኣኻዳድናኦምን ነቲ ናብ ቤት እግዘኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።
4. ንግስቲ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን መብልዕ መኣዱን ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣቓውማ ኣገልገልቱን ኣኻዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ኣኻዳድናኦምን ነቲ ናብ ቤት እግዘኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።
5. ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ።
6. መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዚርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባኦም ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ነዚ ዕቤት ጥበብካስ ፈረቓኡ እኳ ኣይነገሩንን፡ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ትበልጽ ኢካ።
7. እቶም ሰብካ ብጹኣት እዮም፡ እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎምስ ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ድማ ብጹኣን እዮም።
8. እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንጉስ ክትከውን ኣብ ዝፈኣኑ ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘላለም ኬቚሞ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ክትከውን ሸመካ።
9. ንስ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ኣእማንን ሀበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ቐመማትስ ከቶ ኣይነበረን።
10. እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኡ ገላዉ ሑራምን ገላዉ ሰሎሞንን፡ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡር ኣእማንን ከኣ የምጽኡ ነበሩ።
11. ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መደያይቦ፡ ንመዘምራን ዚኸውን ከኣ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለስ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድም ኣይተራእየን።
12. ብዘይ እቲ ንሳ ናብ ንጉስ ኣምጺኣቶ ዝነበረት፡ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ሽዑ ንሳ ተመሊሳ፡ ምስ ገላዉኣ ናብ ሃገራ ኸደት።
13. ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዚኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ።
14. ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዚኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ።
15. ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰንሔ፡ ነንሓድ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ቅጥቁጥ ወርቂ ወድኤ።
16. ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ድማ ሰርሔ። ነንሓደ ዋልታ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።
17. ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ።
18. እቲ ዝፋን ከኣ ሹድሽተ መደያይቦ ምስ ሓደ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ምስቲ ዝፋን እተለገበ ነበሮ፡ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ።
19. ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ ብዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን።
20. ናይ ንጉስ ሰሎሞን መሳተያ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑውን ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ብዘመን ሰሎሞንሲ ብሩር ከም ቁም ነገር ኣይቊጸርን ነበረ።
21. ንጉስሲ ምስ ገላዉ ሑራም ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተጽዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ።
22. ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብሃብትን ጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ።
23. ኲሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበብ ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ኪመጹ ይደልዮ ነበሩ።
24. ንሳቶም ከኣ ነፍሲ ወከፎም ገጸ በረኸቱ፡ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።
25. ሰሎሞን ድማ ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ነዚኣቶም ከኣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ኣቐመጦም።
26. ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገስታት ካብቲ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ይገዝእ ነበረ።
27. እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳጋል ዝምብዛሑ ገበሮ።
28. ኣፍራስ ድማ ንሰሎሞን ካብ ግብጽን ካብ ኲለን ሃገራትን የምጽኡሉ ነበረ።
29. እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣሒያ እቲ ሺሎናውን ኣብ ራእይ የዕዶ ብናይ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዝረኣዮዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
30. ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ።
31. ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

  2Chronicles (9/36)