2Chronicles (8/36)  

1. ኰነ ድማ፡ እተን ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት ምስ ተወድኣ፡
2. ሰሎሞን ነተን ሑራም ንሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ሰርሔን፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኤን ኣቐመጦም።
3. ሰሎሞን ከኣ ናብ ሓማት ጾባ ኸይዱ ንእኣ በርትዓ።
4. ኣብ በረኻ ድማ ንታድሞር ሰርሓ፡ ንዂለን እተን ኣብ ሓማት እተሀንጻ ኸተማታት መዛግብቲውን ሰርሔን።
5. ንቤት ሖሮን ላዕላይን ንቤት ሖሮን ታሕታይን ከኣ መካበብያታትን መዓጹን መሓርሃሪታትን ዘለወን እተዐርዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሔን።
6. ንበዓላትን ንሰሎሞን ዝነበራኦ ዂለን ከተማታት መዛግብትን ኲለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን ኲለን እተን ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሊባኖስን ኣብ ብዘላ ሃገር ግዝኣቱን ከም ባህጉ ኺሰርሕ ኢሉ ዝደለዮ ገይሩ ሰርሔን።
7. እቶም ካብ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይብሳውያንን ዝተረፉ፡
8. ካብቶም ብድሕሪኦምሲ እቶም ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግብሩ ግዙኣት ገበሮም።
9. ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን ኣብቲ ዕዮኡ ኣገልገልቲ ኣይገበረን፡ ንሳቶምሲ ተዋጋእትን ሹማምቲ ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደኣ ነበሩ።
10. እዚኣቶም ድማ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ሓላቑ ዋናታት፡ ነቲ ህዝቢ ዚእዝዙ፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
11. ሰሎሞን ድማ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብኤን ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታታት ኰይነን እየን እሞ፡ ሰበይተይ ኣብኣ ኣይክትነብርን እያ፡ ስለ ዝበለ፡ንጓል ፈርኦን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሰርሓላ ቤት ኣደየባ።
12. ሽዑ ሰሎሞን ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ እናገበረ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ፡ ማለት ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ እቲ ነንምአዓልቲ ዚግባእ መስዋእቲ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ዝሰርሖ፡ ንእግዚኣቢሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገሉ።
13. ሽዑ ሰሎሞን ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ እናገበረ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ፡ ማለት ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ እቲ ነንምአዓልቲ ዚግባእ መስዋእቲ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ዝሰርሖ፡ ንእግዚኣቢሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገሉ።
14. ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናት ናብ ኣገልግሎቶም፡ ንሌዋውያንውን በብመዓልቲ ኸም ዚግባእ ኬመስግኑን ኣብ ቅድሚ ኻህናት ኬገልግሉን ኣመዘዞም፡ ነቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ከም ክፍልታቶም ኣብ ደደገ ኺሕልዉ ኣቘሞም፡ እዚ ኸኣ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምኡ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ።
15. ብዛዕባ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብናይ ዝዀነ ነገር ወይ ብናይ መንግስቲ ኻብ ትእዛዝ ንጉስ ኣየግለሱን።
16. ከምዚ ኢሉ ዂሉ እቲ ዕዮ ሰሎሞን ክሳዕ እታ መዓልቲ ምስራት ቤት እግዚኣብሄርን ክሳዕ ምፍጻማን ተዳለወ። እታ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተፈጸመት።
17. ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ናብ ዘለዋ ዔጽዮን ጋበርን ናብ ኤሎትን ከደ።
18. ሑራም ድማ ብገላዉኡ ገይሩ መራኽብን ባሕሪ ዚፈልጡ ገላዉን ሰደደሉ፡ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ድማ ናብ ኦፊር ከዱ፡ ካብኡ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምጽእዎ።

  2Chronicles (8/36)