2Chronicles (7/36)  

1. ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድኤ ድማ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶ፡ ነታ ቤትውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።
2. ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኣ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትዉ ኣይከኣሉን።
3. ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓውን ክብሪ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ረኣዩ፡ ኣብታ ብእምነ እተራዕርዔት ቦታ ኸኣ ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፡ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንሱ ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር፡ ኢሎም ኣመስገንዎ።
4. እቲ ንጉስን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።
5. ንጉስ ሰሎሞን ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ። በዚ ኸኣ እቲ ንጉስን ኲሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት ኣምላኽ ቀደስዋ።
6. እቶም ካህናት ድማ በብኣገልግሎቶም ቈይሞን ነበሩ፡ ሌዋውያንውን እቲ ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኪምስገነሉ ኢሉ ዝገበሮ መሳርያ ሙዚክ እግዚኣብሄር ሒዞም ነበሩ፡ ዳዊት ድማ ብኣታቶም የመስግን ነበረ። እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ደው ኢሉ ነበረ።
7. እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ናይ ኣስራዚ መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታትን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብቲ ማእከላይ ኣጸድ ስለ ዝሰውኦ፡ ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ።
8. በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እተእቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ኣዝዩ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ።
9. ምቕዳስ እቲ መሰውኢ ብሾብዓተ መዓልቲ፡ እቲ በዓል ከኣ በሾብዓተ መዓልቲ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ዓብዪ በዓል ገበሩ።
10. በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ ድንኳውንቶም ሰደደኦም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም ነበሩ።
11. እምብኣርስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ፈጸመ፡ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤቱን ኪገብር ንሰሎምን ናብ ልቡ ዝመጾ ዂሉ ኸኣ ሰለጦ።
12. እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ፡ በሎውን፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሐርየያ ኣሎኹ።
13. ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡
14. እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
15. ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን።
16. ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሐርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ።
17. ንስኻ ድማ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምተ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡
18. ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ኣይኪሰኣንካን እሮኡ፡ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኸጽንዖ እየ።
19. ንስኻትኩም ግና ተመሊስኩም ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሐደግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣምልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን፡
20. ሽዑ ኻብዛ ዝሀብክዎም ምድረይ ክምንቊሶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራ እየ።
21. ነፍሲ ወከፍ በዛ ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እዚኣ ዚሐልፍ ከኣ፡ ብእኣ ኺድነቕ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ኪምዚ ዝገበረን ኪብል እዩ።
22. ከምዚ ኢሎም ከኣ ይመልሱሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎ፡ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ኸኣ ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘምለኽዎምን፡ ስለዚ ነዚ ዂሉ ኽፉእ ነገር ኣብ ልዕሌኦም ኣምጽኤ።

  2Chronicles (7/36)