2Chronicles (6/36)  

1. ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ከም ዚነብር፡ ኢሉ ኣሎ፡ በለ።
2. ኣነ ግና፡ ንስኻ እትቕመጦቤትን ንዘልኣለም እትነብረሉ ስፍራን ሰሪሔልካ ኣሎኹ፡ በለ።
3. እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ።
4. በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ።
5. በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ።
6. በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ።
7. ኣቦይ ዳዊት ከኣ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።
8. እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ ሐሲብካ እኔኻ፡ እዚ ብልብኻ ሰል ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ።
9. ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይክትሰርሖን ኢኻ።
10. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሔ ኣሎኹ።
11. ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዘለዋ ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣሎኹ።
12. ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሔ።
13. ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጻድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣአዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
14. በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ የልቦን።
15. እቲ ንባርያኻ። ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ።
16. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብሕገይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣይኪሰኣነካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ።
17. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንባርያኻ ዳዊት እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን።
18. ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይኽእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ
19. ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ፡ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህለላኡን ምለስ።
20. ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ንስምካስ ኣብኣ ኸንብሮ እየ ዝበልካያ ቦታ ይከፈታ እሞ፡ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሉ ዚጽልዮ ጸሎት ስማዕ።
21. ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም ዚምህለልዎ ጸሎት ስምዓዮ፡ እወ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፡ ብዝሰማዕካውን ይቕረ በል።
22. ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ እሞ፡ ማሕላ ምሐል፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት ኪምሕል እንተ መጸ፡
23. ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስምዓ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊኦ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትምለሶ፡ ቅጽዓዮ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ከም ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም።
24. ህዝብኻ እስራኤል፡ ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ኣብ ቅድሚ ጻላኢ እንተ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ድማ ኣብዛ ቤት እዚኣ ብስምካ እንተ ተኣመኑ፡ ኣብ ቅድሜኻውን እንተ ጸለዩን እሻተ ተማህለሉን፡
25. ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብዛ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።
26. ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ሰማይ እንተ ተዐጽወ እሞ እንተ ዘይዘነመ፡ ንስኻ ምስ ኣዋረድካዮም፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ብስምካውን እንተ ተኣመኑ፡ ካብ ሓጢኣቶም ድማ እንተ ተመልሱ፡
27. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትምህሮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባሮትካን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነቲ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ።
28. ጥሜት ኣብ ሃገር እንተ ዀነ፡ ፌራ እንተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ መጸ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገር ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መጸ፡
29. ዝኾነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ቊስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ፡
30. ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
31. ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
32. ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ምእንቲ እዚ ዓብዪ ስምካን እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኢሉ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ፡
33. ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ፡ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰረሕክዋ ቤትውን ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡ።
34. ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም፡ ንኣኻ እንተ ለሙኑ፡
35. ሽዑ ኻብ ሰማይ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍትሒ ኣውጽኣሎም።
36. እንተ በደሉኻ፡ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ ብኣታቶም ኰሪኻ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጸላኢ ኣሕሊፍካ እሻተ ሀብካዮም እሞ ኣብ ርሑቕ ኰነ ወይ ኣብ ቀርባ ናብ ዘላ ሃገር ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡
37. ኣብታ ተማሪኾምላ ዘልዉ ሃገር ኰይኖም፡ ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጠኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፡
38. ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎምን ከለዉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮ ዀይኖምስ፡ ገጾም ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዘሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡
39. ሽዑ ኻብ ሰማይ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ ጸሎቶም ምህልላኦምን ሰሚዕካ፡ ፍትሒ ኣውጽኣሎም፡ ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ ሕደገሎም።
40. ሕጂ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንተጸለየ ጸሎትስ ኣዒንትኻ ይከፈታ፡ ኣእዛንካውን ይስምዕኦ።
41. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ናብ መዕረፊኻ ተንስእ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካህናትካ ምድሓን ይልበሱ፡ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሐጐሱ።
42. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንገጽ ቅቡእካ ንድሕሪት ኣይትምለሶ፡ ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ምሕረት ዘክሮ።

  2Chronicles (6/36)