2Chronicles (36/36)    

1. ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ።
2. ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ።
3. ንጉስ ግብጺ ኣብ የሩሳሌም ሰዐሮ፡ ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ።
4. እቲ ንጉስ ግብጺ ድማ ንሓዉ ኤልያቂም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ፡ ስሙውን ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ፡ ንዮኣሓዝ ሓው ግና ነኮ ሒዙ ናብ ግብጺ ወሰዶ።
5. ዮያቂም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ክፉእ ገበረ።
6. ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ደየቦ እሞ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ኢሉ ብመቑሕ ኣስራዚ ኣሰሮ።
7. ነግካድነጻር ካብ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ሒዙ ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ፡ ኣብ መቕደሱ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣቐመጦ።
8. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ጽያፉን ብእኡ እተረኽበ ዘበለን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ የያኪን ነገሰ።
9. ዮያኪን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ።
10. እታ ዓመት ምስ ሐለፈት ድማ፡ ንጉስ ነብካድነጻር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ከክቡራት ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንጼድቅያስ ሓዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ።
11. ጼድቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ።
12. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሐተን።
13. ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነብካድነጻር ድማ ዐለወ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስሲ ክሳዱ ኣትረረ ልቡውን ኣጽንዔ።
14. ብዘለዉ ሊቃነ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጽያፍ ኣረማውያን ኣዝዮም ብዙሕ ኣበሱ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት እግዚኣብሄርውን ኣርከስዋ።
15. ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ።
16. ግናኸ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ፡ ፈውሲውን ክሳዕ ዚስእን፡ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ፡ ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።
17. ስለዚ ንሱ ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጒባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎም፡ ንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሽያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንዂሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎም።
18. ንዂሉ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ዓብይን ንኡስን፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ ንጉስን መኳንንቱን ድማ፡ ኲሉ ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
19. ነታ ቤት ኣምላኽ ኣንደድዋ፡ ነቲ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረስዎ፡ ኣደራወታ ዘበለ ዂሉውን ብሓዊ ኣንደድዎ፡ ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኡ ድማ ኣጥፍኡ።
20. ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፡ መንግስቲ ፋርስ ክሳዕ እትገዝእ፡ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ዀኑ።
21. እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዚመልስ፡ እታ ምድሪ ኣብ ክንዲ እተን ሰናብታ ኽሳዕ እትከሐስ፡ ባዲማ ኸላ ሰናብቲ ኣብዐለት። እዚ ኸኣ እቲ ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ።
22. በታ መጀመርያ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና እቲ ብኣፍ ኤርምያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ደረኾ። ኣብ ብዘላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፡
23. ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ መንግስትታት ኲላ ምድሪ ሀበኒ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ ኣዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቢ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ይደይብ።

  2Chronicles (36/36)