2Chronicles (35/36)  

1. ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኣብዐለ፡ ኣብታ መጀመርያ ወርሒ በታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ።
2. ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ መዞም ኣቘሞም፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኬገልግሉ ኣፋጠኖም።
3. ነቶም ንብዘሎ እስራኤል ዚምህሩ፡ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ በሎም፡ ነቲ ቅዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤት ኣቐምጥዎ፡ ደጊም ኣብ መንኲብኩም ጾር ኣይኪዀነኩምን እዩ፡ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።
4. ከምቲ ጽሕፈት ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ከምቲ ጽሕፈት ሰሎሞን ወዱን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ።
5. ከከም ክፍሊ ማይ ቤት ኣቦታት ኣሕዋትኩም፡ እቶም ደቂ ህዝቢ ኣብቲ መቕደስ ቁሙ። ነንማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ሐሓደ ኽፍሊ ይኹን።
6. ፋስጋ ሕረዱ ተቐደሱ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብሙሴ ምእንቲ ኺገብርዎስ፡ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።
7. ዮስያስ ድማ ንደቂ እቲ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ ኸሎም ካብቲ መጓሰ ብቚጽሪ ሰላሳ ሽሕ ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሽሕ ብዕራይን፡ ኲሎም ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ወፈዮም። እዚ ኻብ ጥሪት ንጉስ እዩ።
8. እቶም መሳፍንቱውን ብፍቓዶም መስዋእቲ ዚኸውን ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሀብዎም፡ ሒልቂያን ዘካርያስን የሒኤልን፡ እቶ ሓልቑ ቤት ኣምላኽ ከኣ፡ ንኻህናት ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ኽልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም።
9. እቶም ሓላቑ ሌዋውያን ድማ፡ ኮናንያን ሸማዕያን ንታንኤልን ኣሕዋቱን ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ንሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ሓሙሽተ ሽህ ገንሸልን ወጠጦን ሓሙሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም።
10. እቲ ኣገልግሎት ከኣ ከምዚ ኢሉ ተዳለወ፡ ከም ትእዛዝ ንጉስ ድማ ካህናት ኣብ ስፍራኦም፡ ሌዋውያንውን ኣብ ክፍልታቶም ቈሙ።
11. ፋስጋ ኸኣ ሐረዱ እሞ፡ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢዶም እናተቐበሉ ይነስጉ ነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ይጠብሑ ነበሩ።
12. ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሃር ምእንቲ ኬቕርቡሉ፡ ነቶም ናይ ደቂ ህዝቢ ኽፍልታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ኪዕድልዎም፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገበሩ።
13. ነቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፡ ነቲ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ብቚራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፡ ንዂሎም ደቂ እቲ ህዝቢ ቐልጢፎም ይዕድልዎም ነበሩ፡
14. ደሓር ድማ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፡ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ብምዕራግ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሒታትን ክሳዕ ለይቲ ዐየዩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ንኻህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ።
15. እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፡ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን የዱቱን ናይ ንጉስ ረኣይን ዝሰርዕዎ፡ ኣብ ስፍራኦም ቈሙ፡ እቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ኣብ ደደጊኦም ቈሙ። ንኣታቶም እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።
16. ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ በዓል ፋስጋ ኺግበር ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄርውን ዚሐርር መስዋእቲ ኺዐርግን በታ መዓልቲ እቲኣ ዂሉ እቲ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ተዳለወ።
17. ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብኡ እተርኽቡ ደቂ እስራኤል በታ ጊዜ እቲኣ በዓል ፋስጋ ገበሩ፡ በዓል ቅጫውን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዐሉ።
18. ኣብ እስራኤል ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ጀሚሩ፡ ከምዚ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋስጋ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ይሁዳን ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤልን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ዘብዐልዎ ፋስጋ ካብ ኲሎም ነገስታት እስራኤል ሓደ እኳ ኸምኡ ኣይገበረን።
19. እዚ በዓል ፋስጋ እዚ ንግዝኣት ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ተገብረ።
20. ድሕሪዚ ዂሉ ዮሳያስ ነቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣዳለዎ፡ ኔኮ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኬርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋግእ ተላዕለ፡ ዮስያስ ከኣ ኪገጥመሉ ወጸ።
21. ንሱ ግና ልኡኻት ሰዲዱ በሎ፡ ኣታ ንጉስ ይሁዳ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ ናብታ እትዋግኣኒ ዘላ ቤት ደኣ እየ እምበር፡ ሎሚ ኣይናባኻን እየ ዝመጽእ ዘሎኹ። ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ፡ ንሱ ኸየጥፍኣካስ፡ ምስቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምቅዋምካ ግደፎ።
22. ዮስያስ ግና ገጹ ኻብኡ ኣይመለሰን፡ ኤረ ምስኡ ኺዋጋእ ደኣ ኽድውንቱ ለወጠ፡ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጾ ዘረባ ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ለሰ መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ።
23. እቶም ወርወርቲ ኸኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፡ እቲ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ ብርቱዕ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ፡ በሎም።
24. ሽዑ እቶም ገላዉኡ ኻብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብቲ ዝነበሮ ኻልኣይ ሰረገላ ኣሕለፍዎ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ ኣብጽሕዎ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐብረ። ብዘለዉ ይሁዳን የሩሳሌምን ከኣ ንዮስያስ ሐዘኑሉ።
25. ኤርምያስ ድማ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፡ ኲሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መልቀሶም ብዛዕባ ዮስያስ ይዛረቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ንስርዓት ገበርዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ልቕሶ ተጽሒፉ ኣሎ።
26. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ።
27. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ።

  2Chronicles (35/36)