2Chronicles (34/36)  

1. ዮስያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ።
2. ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።
3. ኣብ ሳምነይቲ ዓመት ምንጋሱ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ካብቲ ጽሩይ ምስልታትን ናብ ፍሲ ምስልታትን ኬጽርየን ጀመረ።
4. ነቲ መሰውኢታት በዓል ድማ ኣብ ቅድሚ ኡ ኣፍረስዎ፡ ነቲ ኣብ ለልዕሊኡ ቘይሙ ዝነበረ ምስልታት ጸሓይ ከኣ ቈረጾ፡ ንኣስታርቴታትን ነቲ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስልታትን ድማ ሰባበሮ፡ ኣድቅቕ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ መቓበር እቶም ዝሰውኡሎም በተኖ።
5. ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣንደዶ እሞ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣጽረየን።
6. ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ድማ ክሳዕ ንፍታሌም ኣብ ዙርያኦም ንዘልዋ ኣባይቲ ኸምኡ ገበረ።
7. ኣብ ብዘላ ሃገር እስራኤልስ መሰውኢታት ኣፍርሶ ንኣስታርቴታትን ንእተጸርበ ምስልታትን ከኣ ሓመድ ክሳዕ ዚኸውን ኣድቀቖ፡ ንዂሉ ምስልታት ጸሓይውን ቈረጾ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።
8. ኣብ መበል ኦኣሰርተው ሾሞንተ ዓመት ምንጋሱ ኸኣ ነታ ሃገርን ነታ ቤትን ምስ ኣጽረየ፡ ንሻፋን ወዲ ኣጻልያን ንመዓሰያ ሹም እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ፡ እቲ ጸሓፊ ዛንታን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኺጽግንዋ ለኣኾም።
9. ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኣተዉ እሞ፡ ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ ካብ ኢድ ምናሴን ኤፍሬምን ካብቶም ኲሎም ትርፎፍያ እስራኤልን ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኣብ የሩሳሌም ካብ እተቐመጡን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ኣቕራሽ ኣወፈይዎ።
10. ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ልዕሊ ዓየይቲ ቤት እግዚኣብሄር እተሾሙ ወፈይዎ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪጽግንዋን ኬዔርይዋን ዚዐዩ ዓየይቲ ሀብዎም።
11. ነተን ነገስታ ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ ኣግማል ኪገብሩለን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዚኸውን ኣዕጻውን ኪዕድጉለን ንጸረብትን ንሃነጽትን ሀበዎም።
12. እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብእምነት ገበርዎ። ኣብ ልዕሊኦም ንምሕላው እተመዘዙ ሌዋውያን ድማ፡ ካብ ደቂ መራሪ ያሓትን ኣብድያን፡ ካብ ደቂ ቃሃታውያን ከኣ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። ምሳታቶም ከኣ እቶም ብመሳርያ ሙዚክ ፈላጣት ዝዀኑ ሌዋውያን ነበሩ፡
13. ኣብ ልዕሊ እቶም ጾር ዚጾሩ ዋናታት ነበሩ፡ ነቶም ንዂሉ ዓይነት ዕዮ ኣገልግሎት ዚዐዩ ኸኣ ሓለውቲ ነበሩ፡ ጸሓፍትን ሓለቓታትን ሓለውቲ ደጌታትን ድማ ካብ ሌዋውያን ነበሩ።
14. ነቲ ኣብ ቤት ዝኣተወ ኣቕራሽ ኬውጽኡ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ሒልቂያ ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ።
15. ሒልቂያ ድማ ንወፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ረኸበዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሒልቂያ ኸኣ እታ መጽሓፍ ንወፋን ሀቦ።
16. ወፋን ድማ ነቲ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኦ፡ ወሲኹ ኸኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ ቓል መለሰሉ፡ ኣብ ኢድ እቶም ባሮትካ እተዋህበ ዘበለ ዂሉ፡ ንሳቶም ይገብርዎ ኣለዉ።
17. ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ኣቕራሽ ገልቢጥና ድማ፡ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐይዎን ሀብዎም።
18. ወፋን እቲ ጸሓፊ ኸኣ ንንጉስ፡ ካህን ሒልቂያ ሓደ መጽሓፍ ሂቡኒ ኣሎ፡ ኢሉ ነገሮ። ወፋን ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኡ ኣንበበ።
19. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።
20. እቲ ንጉስ ድማ ንሒልቂያን ንኣሒታም ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልዓ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡
21. ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዂሉ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሐለውዎ፡ እቲ ኣባና እተኻዕወ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ፡ ብናይ እዚ ኣብዚ እተረኽበ መጽሓፍ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፈ ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ።
22. ሽዑ ሒልቂያን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነብዪት ሁልዳ፡ ሰበይቲ ወሉም ሓላው ክዳውንቲ ኸዱ፡ ንሱ ወዲ ቶቅሃት፡ ወዲ ሓስራ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩስሌም ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ከምቲ ነገር ገይሮም ተዛረብዎ።
23. ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡
24. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለዉን ክፉእ ከምጽእ እየ። ማለት እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቡሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ መርገም፡
25. ከመይሲ ብዂሉ ተግባር ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሐደጉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ዐጠኑ፡ ስለዚ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ተዀዖ ኣይኪጠፍእን ከኣ እዩ።
26. ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
27. ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ቃሉ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ምስ ሰማዕካ፡ እወ፡ ኣብ ቅድመይ ትሕት ኢልካስ ክዳውንትኻ ቐዲድካ፡ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
28. እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብዞም ዚነብርዋን ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ድማ ኣዒንትኻ ኣይኪርእያኦን እየን። ንሳቶም ከኣ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።
29. ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዂሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ኣከቦም።
30. እቲ ንጉስን ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዘነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዂሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኸኣ ኣስምዖም።
31. እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸይድ፡ ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕሉ፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት ኪዳን ከኣ ኪገብሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ።
32. ኣብ የሩሳሌም ኣብ ብንያምን ንተረኽቡ ዂሎም ድማ ኣብቲ ኺዳን ኣእተዎም። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምቲ ኺዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ።
33. ዮስያስ ድማ ካብ ኲለን ሃገራት ደቂ እስራኤል ጽያፍ ዘበለ ዂሉ ኣርሐቐ። ኣብ እስራኤል ንተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየግለሱን።

  2Chronicles (34/36)