2Chronicles (31/36)  

1. እዚ ዂሉ ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡ ኣብኡ እተረኽበ ዘበለ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጹ እሞ ነቲ ኣዕኑድ ሰበርዎ፡ ንኣስታርቴታት ድማ ቈራረጽዎ፡ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ በረኽትን መሰውኢታትን ክሳዕ ዚጥርሱ፡ ኣፍረስዎም። ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፡ ናብ ከተማታቶም ተመልሱ።
2. ህዝቅያስ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ከክፍሎም ኪዀኑ መደቦም፡ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ከከም ምግልጋሉ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኬዕርጉን ኬገልግሉን ኣብተን ደጌታት ሰፈር እግዚኣብሄር ኪውድሱን ኬመስግኑን ሰርዖም።
3. እቲ ንጉስ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ጽሑፍ ዘሎ፡ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ዚሐርር መስዋእትን ዚኸውን ካብ ገንዘቡ ሀበ።
4. ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ህዝቢ ድማ፡ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን፡ ንሳቶም ኣብቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺጸንዑ፡ ግዲኦም ኪህብዎም ኣዘዞም።
5. እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሀቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ።
6. እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ካብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፡ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝቐደስዎ ቅዱሳት ነገር ድማ ኣስራት ኣምጽኡ፡ ኲምራታት ከኣ ገበርዎ።
7. ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ኪዂምሩ ጀመሩ፡ በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ።
8. ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን መጺኦም ነቲ ዂምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ንህዝቡ እስራኤልን ባረኹ።
9. ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዂምራታታ ሐተቶም።
10. ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ጻዶቅ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ኣዛርያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዚጅምር ሒዝና ኽሳዕ እንጸግብ ንበልዕ ነበርና፡ ብዙሕ ከኣ ኣትረፍና። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ባሪኽዎ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ እዚ ድልቢ እዚ እዩ።
11. ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕከን ኪዳሎ ኣዘዘ፡ ኣዳለዉ ኸኣ።
12. መባእን ኣስራትን እቲ እተቐደሰ ነገርን ከኣ ተኣሚኖም ናብኡ ኣእተዉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ነገር እዚ ድማ ኮናንያ ሌዋዊ ተሸይምዎ ነበረ፡ ካልኣይ ከኣ ሓዉ ሺምዒ።
13. ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስን ኣዛርያ መስፍን ቤት ኣምላኽን ድማ የሒኤልን ኣዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን ባናያን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኮናንያን ሺምዒ ሓዉን ሓለውቲ ነበሩ።
14. ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፡ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት ደገ ኸኣ ነቲ መባእ እግዚኣብሄርን ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ነገርን ኪዕድሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብፍታው ንኣምላኽ እተሰውኤ መባእ ዋና ዀነ።
15. ኣብ ትሕቲ ኢዱ ድማ፡ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምቲ ኽፍሎም ንዓብይን ንንኡስን ኪዕድሉሎም፡ ዔዴንን ሚንያሚንን የሹዓን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን ብእምነት ኣብ ከተማታት ካህናት ተሸይሞም ነበሩ።
16. ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ እቶም ከከም ክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ነቲ ነናይ መዓልቲ ዜድሊ ነገር ኪገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣትዉ ዘበሉ ዂሎም፡
17. ከምኡ ድማ ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተጻሕፈ ኻህናት፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም እተጻሕፉ ሌዋውያን፡
18. ኣብቲ እተመዘዝዎ መዞም ደማ ርእሶም ብእምነት ቀደሱ እሞ፡ ነቶም እተጻሕፉ ዂሎም ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ብዘለዉ ናይታ ማሕበር፡
19. ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ግራሁ ዝነበሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፡ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ንተጻሕፈ ዘበሉ ዂሎምን ገግዲኦም ኪህብዎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ በብስሞም እተመደቡ ሰባት ነበሩ።
20. ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ ኸምኡ ገበረ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ።
21. ብኣገልግሎት ቤት ኣምላኽን ብሕግን ብትእዛዝን ድማ ንኣምላኹ ደልዩ ዝጀመሮ ዂሉ ዕዮ፡ ብምሉእ ልቡ ገበሮ እሞ፡ ሰለጠሉ።

  2Chronicles (31/36)