2Chronicles (30/36)  

1. ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪመጹ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሉ፡ ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፡ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ ደብዳበ ጸሐፈ።
2. ግናኸ እቶም ካህናት ዚኣኽሉ ዀይኖም ስለ ዘይተቐደሱን፡ እቲ ህዝቢውን ኣብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ በቲ ጊዜኡ ፋስጋ ኼብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ሓላቑኡን ብዘላ ማሕበር የሩሳሌምን ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኺበዐል ተማኺሮም ነበሩ።
3. ግናኸ እቶም ካህናት ዚኣኽሉ ዀይኖም ስለ ዘይተቐደሱን፡ እቲ ህዝቢውን ኣብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ በቲ ጊዜኡ ፋስጋ ኼብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ሓላቑኡን ብዘላ ማሕበር የሩሳሌምን ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኺበዐል ተማኺሮም ነበሩ።
4. እዚ ነገር እዚ ንንጉስን ንብዘላ እታ ማሕበርን ቅኑዕ ኰይኑ ተራእዮም።
5. ከምቲ ጽሑፍ ገይሮም ካብ ነዊሕ ዘመን ኣየብዐልዎን እሞ መጺኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሎም፡ ካብ ብኤር ሸባዕ ክሳዕ ዳን ኣብ ብዘሎ እስራኤል ኣዋጅ ኪእወጅ መደቡ።
6. እቶም ልኡኻት ድማ ደብዳቤታት ንጉስን ሓላቑኡን ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዚ ኢሎም ነገሩ፡ ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዝመለቚኩም ተረፍ፡ ምእንቲ ኺምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ተመለሱ።
7. ከምቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝበደሉ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ኣባደሞም፡
8. ሕጅስ ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፡ ኢድኩም ደኣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ምጹ፡ እቲ ነዲ ቚጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ።
9. ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመለስኩምሲ፡ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ኪረኽቡ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ኪምለሱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ናብኡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ድማ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልሶን እዩ።
10. እቶም ልኡኻት ከኣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ክሳዕ ዛብሎን ሐለፉ። ግናኸ ሰሐቑሎምን ኣላገጹሎምን።
11. ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ሓያሎ ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ።
12. እቲ ብቓል እግዚኣብሄር ብዀነ ትእዛዝ ንጉስን ሓላቑን ኪገብሩስ፡ ሓደ ልቢ ኺህቦም፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ኢድ ኣምላኽ ኰነ።
13. ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኸኣ በዓል ቅጫ ኼብዕሉ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣዝዮም ዓብዪ ማሕበር፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ።
14. ተንሲኦም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣርሐቑ፡ ንዂሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ርባ ቄድሮን ደርበይዎ።
15. ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሐፈሩ፡ ተቐዲሶም ከኣ ዚሐርር መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
16. ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፡ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነጽጉ ነበሩ።
17. ኣብታ ማሕበርሲ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነጽሁ ዂሎም ፋስጋ ሐሪዶም ንእግዚኣብሄር ቀደስዎም።
18. ካብቲ ህዝቢ ብዙሓት፡ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ብዙሓት ሰብ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዘይኰነ ደኣ ፋስጋ በልዑ እምበር፡ ኣይነጽሁን። ህዝቅያስ ግና፡ እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሄር ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ፡ ኪደልዮም ልቡ ዘቕንዔ ዘበለ ዂሉ፡ ንሱ ኸምቲ ምንጻህ መቕደስ እኳ እንተ ዘይነጽሄ፡ ይቕረ ደኣ ይበለሉ፡ ኢሉ ምእንታኦም ለመነ።
19. ካብቲ ህዝቢ ብዙሓት፡ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ብዙሓት ሰብ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዘይኰነ ደኣ ፋስጋ በልዑ እምበር፡ ኣይነጽሁን። ህዝቅያስ ግና፡ እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሄር ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ፡ ኪደልዮም ልቡ ዘቕንዔ ዘበለ ዂሉ፡ ንሱ ኸምቲ ምንጻህ መቕደስ እኳ እንተ ዘይነጽሄ፡ ይቕረ ደኣ ይበለሉ፡ ኢሉ ምእንታኦም ለመነ።
20. እግዚኣብሄር ከኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኣሕወዮ።
21. እቶም ኣብ የሩሳሌም እተረኽቡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ሓጐስ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዐሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ ንእግዚኣብሄር መዓልቲ ንመዓልቲ ብመሳርያ ሙዚክ ንእግዚኣብሄር ምስጋና ዘመሩ።
22. ህዝቅያስ ድማ ንልቢ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣጸቢቖም ዜስተውዑሉ ዝነበሩ ዂሎም ሌዋውያን ጥዑም ተዛረቦም። በቲ በዓል፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ እቲኣተን፡ ከኣ መስዋእቲ ምስጋና እናዕረጉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም እናመስገኑን ይበልዑ ነበሩ።
23. ብዘለዉ እቶም ማሕበር ድማ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ኼብዕሉ ኣስመሩ፡ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲውን ብሓጐስ ኣብዐሉ።
24. ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ማሕበር ንምስዋእ ሽሕ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሀበ። እቶም ሓላቑ ድማ ንማሕበር ሽሕ ብዕራይን ዓሰርተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሀቡ። ብዙሓት ካህናት ከኣ ተቐደሱ።
25. ብዘሎ ማሕበር ይሁዳ ድማ ምስናይ ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ እቲ ኻብ እስራኤል ዝመጸ ማሕበርን እቶም ወሰንተኛታት ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩን ተሐጐሱ።
26. ካብ ዘመን ሰሎሞን፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ የሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።
27. እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ተንሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፡ ድምጾም ድማ ተሰምዔ፡ ጸሎቶምውን ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ ቅድስቲ ማሕደሩ፡ ኣተወ።

  2Chronicles (30/36)