2Chronicles (29/36)  

1. ህዝቅያስ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ከሎ ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ፡ ስም ኣዲኡ ኸኣ ኣቢያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።
2. ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
3. ንሱ በታ መጀመርያ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን ጸገነንውን።
4. ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምጺኡ ኸአ፡ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም፡
5. በሎም ድማ፡ ኣቱም ሌዋውያን፡ ስምዑኒ፡ ተቐደሱ፡ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከኣ ቀድስዋ፡ ነቲ ርኽሰት ድማ ካብ መቕደስ ኣውጽእዎ።
6. ኣቦታትና በደሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእኡ ድማ ሐደግዎ፡ ገጾም ካብ ማሕደር እግዚኣብሄር ንንየው መለሱ፡ ዝባኖምውን መለሱሉ።
7. መዓጹ እቲ ገበላ ድማ ዐጸዉ፡ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፡ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዐጠኑን፡ ዘሐርር መስዋእቲ ኸኣ ኣየዕረጉሉን።
8. ስለዚ ድማ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኰይኑ ኣሎ እሞ፡ ከምዚ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመሰክሕን ብመደነቕን ንመላገጽን ገበሮም።
9. ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ ኣቦታትና ብሴፍ ወደቑ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ተማሪኾም ኣለዉ።
10. ሕጅስ እቲ ጕሁር ቊጥዓኡ ኻባና ምእንቲ ኺምለስ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ኣብ ልበይ ሓሳብ ኣሎኒ።
11. ኣቱም ደቀየ፡ ንእኡ ኸተገልግሉ እሞ፡ ኣገልገልቱ ዄንኩም፡ ዕጣን ክትዐጥኑሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክትብሉ፡ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሐርዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሸለል ኣይትበሉ።
12. ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተንስኡ፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ማሓት ወዲ ኣማሳይን ዮኤል ወዲ ዓዛርያን፡ ካብ ደቂ መራሪ ድማ፡ ቂስ ወዲ ዓብድን ኣዛርያ ወዲ ዮሃለልኤልን፡ ካብ ጌርሾናውያን ከኣ፡ ዮኣሕ ወዲ ዚማን ዔደን ወዲ ዮኣሕን፡
13. ካብ ደቂ ኤሊጻፋን ድማ፡ ሺምሪን የዑኤልን፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ ከኣ፡ ዘካርያስን ማታንያን፡
14. ካብ ደቂ ሄማን ደማ፡ የሒኤልን ሺምዒን፡ ካብ ደቂ የዱቱን ከኣ፡ ሸማዕያን ዑዚኤልን።
15. ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ፡ ከምቲ ንጉስ ብቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከኣ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኬጽርይዋ ኣተዉ።
16. እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ኬጽርዩ ኣተዉ እሞ፡ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንዝረኸብዎ ዂሉ ርኽሰት ናብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽእዎ። እቶም ሌዋውያን ከኣ ተቐቢሎም ናብ ግዳም ናብቲ ርባ ቄድሮን ኣውጽእዎ።
17. በታ መጀመርያ ወርሒ እሞ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኪቕድሱ ጀመሩ፡ ነታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ናብ ገበላ እግዚኣብሄር መጹ፡ ብሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ፡ ነታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ መዓልታ ድማ ወድእዎ።
18. ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ኣትዮም በልዎ፡ ንብዘላ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢ ምሕራርን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ኣጽሪናዮ ኣሎና።
19. ነቲ ንጉስ ኣሃዝ ኪገዝእ ከሎ፡ ብምብዳሉ ዝደርበዮ ዂሉ ኣቓሑ ኸኣ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ።
20. ሽዑ ንጉስ ህዝቅያስ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሓላቑ እታ ኸተማ ኸኣ ኣከቦም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ።
21. ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ እቲ መቕደስን ምእንቲ ይሁዳን ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚዀኑ ሾብዓተ ብዕራይን ሾብዓተ ድዑልን ሾብዓተ ገንሸልን ሾብዓተ ዲበላን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኪስውእዎም ከኣ፡ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም።
22. ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሐረድዎም፡ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፡ ነቶም ደዓውልውን ሐሪዶም ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ። ነቶም ገናሽል ከኣ ሐሪዶም፡ ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ።
23. ነቶም ዲበላታት መስዋእተ ሓጢኣት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ማሕበርን ኣቕረብዎም፡ ኣእዳዎም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ።
24. እቲ ንጉስሲ እቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ምእንቲ ብዘሎ እስራኤል ኪግበር ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ሐረድዎም፡ በቲ ደሞም ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብቲ መሰውኢ ሰውኡ።
25. እቲ ትእዛዝሲ ብነብያቱ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ ዝነበረ እሞ፡ ከም ትእዛዝ ዳዊትን ጋድ እቲ ናይ ንጉስ ረኣይን ነብዪ ናታንን፡ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ጸናጽልን ምስ መሰንቆታትን ምስ በገናታትን ኣቘሞም።
26. ሌዋውያን ከኣ ምስቲ ናይ ዳዊት መሳርያ ሙዚክ ካህናትውን ምስ መለኸታት ቈይሞም ነበሩ።
27. ህዝቅያስ ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኺስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኺጅመር ከሎ ኸኣ፡ መዝሙር እግዚኣብሄርን መለኸታትን ብሓንሳእ ምስቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርያ ሙዚክ ጀመረ።
28. ብዘሎ እቲ ማሕበር ከኣ ይሰግድ ነበረ፡ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፡ መለኸታትውን ተነፍሔ፡ እዚ ዂሉ ድማ እተ ዚሐርር መስዋእቲ ኽሳዕ ዚፍጸም ኰነ።
29. ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ፈጸምዎ ኸኣ፡ እቲ ንጉስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎምን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
30. ንጉስ ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ኣሳፍ እቲ ረኣይን ንእግዚኣብሄር ምስጋና ኺዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሐጒሶም ከኣ ምስጋና ዘመሩ፡ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ።
31. ህዝቅያስ ድማ፡ ሕጂ ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር መሊእኩም ኢኹም እሞ፡ ቅረቡ፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእትዉ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ማሕበር ከኣ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምጽኤ፡ ፍቶት ልቢ ዘለዎ ዂሉ ድማ ዚሐርር መስዋእቲ ኣቕረበ።
32. ቊጽሪ እቲ ማሕበር ዘምጽኦ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰብዓ ብዕራይ፡ ሚእቲ ድዑል፡ ክልተ ሚእቲ ገንሸል እዩ፡ እዚ ዂሉ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ እዩ ዝነበረ።
33. እቲ ዝቐደስዎ ነገር ድማ ሹድሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን እዮም።
34. እቶም ካህናት ግና ውሒዶም ነበሩ እሞ ንዂሎም እቶም መስዋእቲ ምሕራር ምቕላጦም ኣይከኣሉን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዕዮዚ ኽሳዕ ዘውዳእ፡ እቶም ካህናትውን ክሳዕ ዚቕደሱ፡ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሐገዝዎም። ከመይሲ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዚበልጹ ንምቕዳስ ዚኸውን ቅኑዕ ልቢ ነበሮም።
35. ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ኢሉ እተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ አሉ ተሰርዔ።
36. እቲ ነገር ብሃንደበት እዩ ዝዀነ እሞ፡ ህዝቅያስን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ ዘዳለወሉ ተሐጐሱ።

  2Chronicles (29/36)