2Chronicles (28/36)  

1. ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረን።
2. ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ይኸይድ ነበረ፡ ኤረ ንሱስ ንበዓላትውን ፍሱስ ምስልታት ገበረ።
3. ንሱ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከኣ ዕጣን ዐጠነ፡ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸኣ፡ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም።
4. ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ ንሳቶም ድማ ሰዐርዎ እሞ፡ ካብ ናቱ ዓብዪ ጭፍራ ማሪኾም፡ ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎ። ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤልውን ተዋህበ፡ ንሱ ኸኣ ብዓብዪ ስዕረት ሰዐሮ።
6. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎስ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኻብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ቀተለ፡ ኲሎም ተዋጋእቲ ሰብ ነበሩ።
7. ዚክሪ ዚብሀል ሓደ ጅግና ኤፍሬማዊ ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ቀተሎም።
8. እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፡ ካባታቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ኣምጽእዎ።
9. ኣብኡ ግና ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ እግዚኣብሄር ነበረ፡ ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዚመጽእ ሰራዊት ኪቀባበሎ ወጸ፡ በሎም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣብ ይሁዳ ስለ እተቘጥዔ፡ ንእኦም ኣብ ኢድኩም ሀበኩም፡ ንስኻትኩም ከኣ ናብ ሰማይ ብዚበጽሕ ነድሪ ቐተልኩምዎም።
10. ሕጂ ድማ ነቶም ደቂ ይሁዳን የሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ትሐስቡ ኣሎኹም። እምበኣርሲ ንስኻትኩም፡ እወ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽዶ ትብድሉ ኣየሎኹምን
11. ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ነዲዱ ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።
12. ሽዑ ገለኻብቶም ሓላቑ ደቂ ኤፍሬም፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናን በረክያ ወዲ መሺለሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን ኣብቶም ካብ ውግእ ዝመጹ ተንስኡ፡
13. በልዎም ድማ፡ በደልናስ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ቊጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም ከኣ በዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዚዀነና ጌርኩም፡ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሐስቡ ዘሎኹም እሞ፡ ነዞም ምሩኻት እዚኦም ናብዚ ኣይተእትውዎም።
14. ሽዑ እቶም ሰብ ውግእ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም ሓላቑን ብዘላ ማሕበርን ሐደግዎም።
15. እቶም ሕጂ እተሰምዩ ሰባት ከኣ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፡ ንዂሎም ዕሩቓቶም ድማ ካብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከኣ። ኣሳእን ሀብዎም፡ መብልዕን መስተን ሀብዎም ዘይቲውን ለኸይዎም፡ ንዂሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣስሪሮም፡ ናብ ያሪኮ፡ ናብታ ኸተማ ተምሪ፡ ናብ ኣሕዋቶም ኣብጽሕዎም። ናብ ሰማርያ ኸኣ ተመልሱ።
16. በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣሃዝ ንነገስታት ኣሶር ኪረድእዎ ለኣኸሎም።
17. ኤዶማውያንሲ ኸም ብሓድሽ መጺኦም ንይሁዳ ሓደጋ ወዲቖም፡ ምሩኻት ወሰዱ።
18. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንቤት ሸመሽን ኣያሎንን ገደሮትን ንሶኮ ምስ ከተማታታን ንቲምና ምስ ከተማታታን ንጊምዞውን ምስ ከተማታታን ሐዝወን። ኣባታተን ድማ ተቐመጡ።
19. እግዚኣብሄር ብሰሪ ኣሃዝ ንጉስ እስራኤል፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ በዲሉ ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሐደጋ፡ ንይሁዳ ኣዋረዳ።
20. ቲልጋት ጲልነሰር ንጉስ ኣሶር ግና ናብኡ መጸ፡ ንሱ ኣጽበበሉ ደኣ እምበር፡ ኣይደገፎን።
21. ኣሃዝ ነታ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ ንጉስን ቤተ ሓላቑን ጐርጒሩ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይተረድኣሉን።
22. እዚ ንጉስ ኣሃዝ በዚ ጊዜ ጸበባኡ ድማ እናወሰኸ ንእግዚኣብሄር በደሎ።
23. እቶም ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንእኦም ዚሕግዝዎም ስለ ዝዀኑ፡ ኣነ ኸኣ፡ ምእንቲ ኺሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ፡ ኢሉ ነቶም ዝሰዐርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውኣሎም ነበረ። ግናኸ ንሳቶምስ ንእኡን ንብዘሎ እስራኤልን ደኣ ንውድቀት ኰንዎም።
24. ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ኣከቦ እሞ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽውን ሰባበሮ፡ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዐጸዎ። ኣብ ኲሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ።
25. ኣብ ብዘለዋ ኸተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ኣብኡ ኺዐጥነሎም፡ በረኽቲ ገበረ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ።
26. እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኲሉ መገድታቱን ድማ፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ።
27. ኣሃዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ኸተማ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ቀበርዎ፡ ግናኸ ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

  2Chronicles (28/36)